ኤርትራውያን ዝርከብዎም 21 ሰራሕተኛታት ዝነበርዋ ዘይሕጋዊ ነዳዲ ኣብ ምምልላስ ዝነበረት ናይ ሊብያ መርከብ ኣብ ቀይዲ ኣትያ

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 21 ሰራሕተኛታት ዝነበርዋ ዘይሕጋዊ ነዳዲ ኣብ ምምልላስ ዝነበረት ናይ ሊብያ መርከብ ኣብ ቀይዲ ኣትያ

Radio Erena: March 21, 2014

morn

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 21 ሰራሕተኛታት ዝነበርዋ፣ ነዳዲ እተመላልስ ናይ ሊብያ መርከብ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ነዳዲ ኣብ ምምልላስ ኣብ ዝነበረትሉ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ከምዘላ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እታ Morning Glory ዝተሰምየት ዓባይ መርከብ፣ ካብ ወደባቲት ከተማ ዲድራ ናይ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ እናምርሐት እንከላ’ያ ብፍሉያት ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒላ።

 

እታ መርከብ፣ ብተቓወምቲ ሊብያ ከምእትውነን ዝሓበረ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ማእከላይ መንግስቲ እታ ሃገር ነታ መኦኣልብኡ ዘይተፈልጠ ነዳዲ ዝጸኖኣነት መርከብ ክቖጻጸራ ዓቕሚ ስለዝሓጸሩ’ዩ ሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ኣምሪካ ነቲ ስርሒት ኣካይድዎ።

ነታ መርከብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓላ ዝኾነ ናይ ተኵሲ ምልውዋጥ ከምዘይነበረ ዝሓበረ ሓደ ላዕለዋይ ኣዘዚ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ሓይልታቱ ነታ መርከብ ድሕሪ ምቑጽጻሮም ናብ ገማግም ሊብያ ኣጸጊዖማ ከምዘለዉ’ውን ሓቢሩ።

ኣብታ መርከብ ድማ ብዘይካ’ቶም ምስ ምስ ተቓወምቲ ሊብያ ርክብ ከምዘለዎም ዝተጠርጠሩ 3 ሊብያውያን፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶርያ፣ ህንዲ፣ ፓኪስታንን ስሪላንካን ዝርከብዎም 21 ሰራሕተኛታት ከምዝነበርዋ’ውን እቲ ናይ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ጸብጻብ የመልክት።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0