ብዝቕባበን ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ኣብ ከቢድ መዋጥር ዝርከብ ባንክ ኤርትራ፣ ሓድሽ ናይ ወረቀት ባጤራ ይዝርግሕ ኣሎ

ብዝቕባበን ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ኣብ ከቢድ መዋጥር ዝርከብ ባንክ ኤርትራ፣ ሓድሽ ናይ ወረቀት ባጤራ ይዝርግሕ ኣሎ

Radio Erena, March 7, 2014

Nakfa

ከቢድ ዝቕባበን ቁጠባዊ ቅልውላን ኣጋጢምዎ ዝርከብ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ፣ ንመበል ሳልሳይ ግዜኡ ሓድሽ ተወሳኺ ባጤራ ኣሕቲሙ።

ባጤራ ናቕፋ ኣብ 1997 ተሓቲሙ ናብ ዕዳጋ ክዝርጋሕ ኣንከሎ፣ ሓደ ዓይነት ሕብርን ዓቐንን ዘለዎ ናይ 5፣ 10፣ 20፣ 50ን 100ን ናይ ወረቐተ ገንዘብ ከምዘሕተመ ዝዝኽረ’ዩ።

እንተኾነ ባጤራ ናቕፋ ኣብ 17 ዓመት ከቢድ ዝቕባበን ድኽመት መጠን ሸርፍን ስለዘጋጠሞ፣ ብሕብርን ዓቐንን ሰብ የደናግር ኣሎ ብዝብል ምኽንያት ዝተፈልየ ዓቐንን ሕብርን ዘለዎ ተወሳኺ ናይ 50ን 100ን ናይ ወረቒት ገንዘብ ብምሕታም ከምዝዘርግሐ ይፍለጥ።

እንደገና’ውን፣ ናይ ወረቀጥ ባጤራ ናቕፋ ቀልጢፉ እርጋን ኣጋጢምዎ ብዝብል ምኽንያት፣ ሓድሽ ተወሳኺ ባጤራ ብምሕታም ክዝርግሕ ተገዲዱ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ድማ ገና ብወግዒ ዘይተኣወጀ ናይ ካብ ናይ ቀደም ዝተፈልየ ሕብሪ ዘለዎ ናይ 10ን  20ን ባጤራ ዘርጊሑ ናብ ዕዳጋ የዋፍሮ ከምዘሎ ተገሊጹ።

 

ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ፣ ኣብዚ 17 ዓመታት ንሕብርን ዓቐንን ባጤራ ናቕፋ ንመበል ሳልሳይ ግዜ ዝቐየረሉ ንተገልገልቲ እደናጊሩን ሓንሳእ ድማ ኣሪጉን ዝብል ዘይውግዓዊ ወረ ይዝርግሕ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ሓቒ ግና ብዝቕባበ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ተዳኺሙ ንዘሎ ናቕፋ፣ ተወሳኺ ወረቓቕቲ ብምዝርጋሕ ንምምልኡ ዝዓለም’ዩ።

ባጤራ ናቕፋ ኣብ 1997 ናብ ህዝቢ ኣብ ዝተዘርግሓሉ፣ ሓደ ዓይትን ሕብርን ስለዘለዎ ህዝቢ ኣየደናግርን ዶ? ንዝብል፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንባጤራና ህበይ ከማን ክትፈላልዮ ትክእል ክብል ከምዝመለሰ ኣይርሳዕን።

===========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0