ተጨውያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝዓለበት ነፋሪት ንምምላስ ካብ ዝተላእኩ ኣባላት ሓይሊ ኤርትራ ሓደ፣ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፉ

ተጨውያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝዓለበት ነፋሪት ንምምላስ ካብ ዝተላእኩ ኣባላት ሓይሊ ኤርትራ ሓደ፣ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፉ

Radio Erena, March 7, 2014

Eሪ ጵላነ

ብ12 ሕዳር 2013 ተጨውያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝዓለበት ነፋሪት ንምምላስ ካብ ዝተኣእከኡ ኣብረርትን ቴክኒሻናትን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ሓደ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፉ።

እቲ ነፋሪት ንምምላስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝተላእከት ጉጅለ ሓይሊ ኣይር ኤርትራ ዑቕባ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፉ ዘሎ ሉተናንት ብርሃነ ኣረፋይነ ዝተባህለ መንእሰይ፣ ፍላይት ኢንጂነር ማለት ክኢላ ኣቬኒክስ’ዩ።

ኣብረርትን ቴክኒሻናታን ዝርከብዎም ሓይል ኤርትራ ነታ ብሓደ መርሃዊ ግርማይ ዝተባህለ ኣባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ማእከል ጂኦግራፍያዊ ቅርጽን ሓበሬታን ምስ ክልተ ኣብረታ ተጠጨውያ ንኣስታት 3 ወርሒ ዝጸንሐት ፍልይቲ ናይ ስእልን ካርታን ነፋሪት ንምምላስ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሎም’ዮም ናብ ጂዛን ተላኢኾም።

 

እታ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጂዛን ንኣስታት 3 ወርሒ ተታሒዛ መርመራን ምጽራይን ክካየደላ ዝጸንሐት ኣብ ስእልን ካርታን እትነጥፍ ነፋሪት፣ ንስርሓት ካርታ ዘገልግል ስእልታት ንምልዓል ዝሕግዝ መሳርሒታት ካሜራ ተገጢሙላ ካብ መፋርቕ 2010 ጀሚራ ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሐት ኮይና ፒላተስ ፖርተር (Pilatus Porter) ዝብል መጸውዒ ዘለዋ’ያ። ኣብ ዝባና ድማ EMIC (Eritrean Mapping and Information Center) ከምኡ’ውን E3-AAS ዝብል መለለዩን ባንዴራ ኤርትራን ኣለዋ።

እታ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እትመሓደር ነፋሪት ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሰት’ውን ተፈሊጡ።

እቲ መርሃዊ ግርማይ ኣባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ማእከል ጂኦግራፍያዊ ስርዓተ ሓበሬታ ፣ ብሜጀር ኢሳይያስን ካፕቴን ኣሮን ታደስን ትምራሕ ንዝነበአት ነፋሪት ብምጨዋይ፣ ኣብ ጂዛን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ዓብደላ ክትዓልብ ከምዘገደዶም’ውን ድሕሩ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ኣባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት መርሃዊ ግርማይ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ክሓትት እንከሎ፣ ኣብረርቲ እታ ነፋሪት ሜጀር ኢሳይያስ ተኽለንን ካፕቴን ኣሮን ታደስን ድማ ተጨውዮም ብግዴታ ናብ ጂዛን ዝዓለቡ ደ’ምበር ኣብ ስዑዲ ዑቕባ ንምሕታት ከምዘይደልዩ ብምጥቃሶም፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት 3 ወርሒ ማእሰርቲ ብናጻ ተፋንዮም ምስታ ነፋሪት ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣለዉ።

ብህድማ ኣብረርትን ቴክኒሻናትን ኣብ ከቢድ መዋጥር ዝርከብ ሓይሊ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ በብዝተፈላለየ ስልጣንን ካልእ ምኽንያታትን ናብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዝልኣኾም ሓያሎ ኣባላቱ’ውን ዑቕባ ንምሕታት በብዝኸድዎ ከምዝተረፉ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት የረድኡ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0