እስራኤል ኣስታት 10 ኤርትራውያን ናብ ርዋንዳ መሊሳቶም

እስራኤል ኣስታት 10 ኤርትራውያን ናብ ርዋንዳ መሊሳቶም

Radio Erena: March 6, 2014

Rwanda Israel

መንግስቲ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝመለሶም ትሽዓተ ኤርትራውያን ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት ከምዝርከቡ ናብ ሬድዮ ኤረና ብምድዋል ገሊጾም።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝተመልሱ ኤርትራውያን፣ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ፣ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ተታሒዞም ብፖሊስ ብምፍርራሕ ይወርዶም ምህላዉ’ውን ጠቒሶም።

ፖሊስ ርዋንዳ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተምልሱ ኤርትራውያን ናብ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ታሃገር ከራኽብዎም እኳ እንተሓተቱ፣ ፖሊስ ርዋንዳ ግና ንሕቶም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ነጽግዎ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ፣ እቶም ኤርትራውያን ዝነበሮም ገንዘብ ብስም ክራይን ካልእ ምኽንያታትን ብፖሊስ ርዋንዳ ይዝረፍ ምህላዉ ኣብቲ ምስ ሬድዮ ኤረና ዘካየድዎ ሓጺር ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።

 

እቶ ትሽዓተ ኤርራውያን ሓንቲ ጓለነስተይቲ’ውን ዝተመልሰተ ከምዝነበረት እኳ እንተሰምዑ ኣብ ርዋንዳ ድሕሪ ምእታዋ ደሃያ የብሎምን።

መንግስቲ እስራኤል ካብ ሃገሩ ከውጽኦም እንከሎ፣ ናብ ውሑስ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከምዘብጽሖም እኳ እንተገለጸ፣ በንጻሩ ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ናብ ቤት ማእሰርቲ ርዋንዳ ጥራይ’ዩ ኣሰጋጊርዎም።

እዞም ኣብ ርዋንዳ ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ጉዳዮም ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ክረእ ምስቲ ኣህጉራዊ ትካል ክራኸቡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክጽዕሩሎም ተላብዮም።

መንግስቲ እስራኤል ኤርትራውያን ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ክመልስ ምዃኑ ክገጽል ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ ንስደተኛታት ናብ ርዋንዳን ካልኦት ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ናይ ምምላስ መደብ ከምዘለዎ’ውን እዚ ናይዞም ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመልሱ ኤርትራውያን ጥቡጥ መርትዖ’ዩ።

እስራኤል ምስ ርዋንዳ ሓያሎ ምስጢራዊ ዝምድናታት ሓያሎ ስለያዊ ምንጭታት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0