ኮሚተ ወለዲ ዲያእ ኣል እስላምያ፣ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣካየድቲ፣ መማህራን፣ ወለድን ተማህሮን ክፍትሑ ጸዊዑ

ኮሚተ ወለዲ ዲያእ ኣል እስላምያ፣ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣካየድቲ፣ መማህራን፣ ወለድን ተማህሮን ክፍትሑ ጸዊዑ

Radio Erena: 06 November 2017

Dia Al Islamia

ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ ብ31 ጥቅምቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ እታ ቤት ትምህርቲ ካብ ምዕጻው ክትድሕን እኳ እንተኸኣለት፣ ቅድሚ’ቲ ሰልፊን ድሕሪኡን ዝተኣስሩ ኣካየድታ፣ መማህራና፣ ተማሃሮኣን ወለዲ ተማህሮን ክፍትሑ ጻውዒት ቀሪቡ።

እዚ ጻውዒት ዝቐረብ ዘሎ፣ ኮሚተ ተማህሮ ወለዲ እታ ቤት ትምህርቲ፣ ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲን ናብ ኣውቓፍ፣ ቤት ጽሕፈት ሙፍቲ ኤርትራን ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ’ዩ።

እንተኾነ፣ ድሕሪ ሞት ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልሚን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብዘይ ወግዓዊ ሙፍቲ ዘሎ ኣውቓፍ ዝኽዕነ ምላሽ ክህቦም ከምዘይክኣለ ካብ ኣባላት ኮሚተ ወለዲ ንዝሃብዎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ሚኒስተሪ ትምህርቲ ብወገኑ ነቶም ነቲ ደብዳቤ ዘብጽሑ ኮሚተ ወለዲ፣ መንግስቲ ኩነታት ምስ ሃደአ ኣጻርዩ ከውጽኦም’ዩ ዝብል ምላሽ ከምዝሃቦም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ዲያእ ኣል እስላምያን ከካይዶ ዝጸንሐ ጸቕጥን ምፍርራሕን ብምቕጽል፣ ንኣካየደታን መምህራንን ድሕሪ ምእሳሩ፣ ተማህሮ እታ ቤት ትምህርቲ ብ31 ጥቅምቲ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ይዝከር።

ነዚ ኣብ ታሪኽ እታ፣ ዝኾነ ዓይነት ሰልፊ ኣብ ዘይፍቐዳ ኤርትራ፣ ናይ ፈለማ ዝኾነ በዳሂ ሰለማዊ ሰልፊ ንምብታን ሰራዊት መንግስቲ ጽዑቕ ተዅሲ’ዩ ከፊቱ።

በቲ ተዅሲ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት እኳ እንተዘይነበረ፣ ድሕሪ’ቲ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ሓያሎ ተማህሮን ወለድን ከካብ ገዝኦም ተወሲዶም ተኣሲሮም ኣለዉ።

ኮሚተ ወለዲ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ ኣብ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት፣ እታ ቤት ትምህርሪ ካብ ምዕጻው ክትድሕን እኳ እንተኸኣለት፣ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣካየድታ፣ መማህራና፣ ተማሃሮኣን ወለድን ከይተፍትሑ ግና እቲ ናብ ሰለማዊ ሰልፊ ዘብጽሐ ኩነታት ተፈቲሑ’ዩ ክብሃል ከምዘይክእለ የገንዝቡ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0