ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን እትንቀሳቐስ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ወዲቓ፣ ወራሲ ዓራት ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ስዑዲ ሞይቶም

ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን እትንቀሳቐስ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ወዲቓ፣ ወራሲ ዓራት ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ስዑዲ ሞይቶም

Radio Erena: 07 November 2017

saudi helicopter

ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን እትንቀሳቐስ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ብምውዳቓ፣ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብን ምክትል ኣማሓዳሪ ኣብ ዶብ ናይ እትርከብ ዞባ ኣሲርን መንሱር ቢን ሙቕሪን ዝርከቦም ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ከምዝሞቱ ወግዓዊ መግለጺ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እታ ሄሊኮፕተር፣ ብሰንበት 5 ጥቅምቲ ናብ ከባቢ ዶብ የመን ድሕሪ ምንቅስቓሳ፣ ካብ ራዳር ተሰዊራ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ድሒራ ከምዝወደቐት’ዩ ተሓቢሩ።

ሞት እቲ ወራሲ ዓራት መንሱር ቢን ሙቕሪን ዝግለጽ ዘሎ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሓያሎ ወረስቲ ዓራትን ሰበ ስልጣናታን ኣብ እትኣስረሉ ዘላ ግዜ በቲ ሓደ፣ ሑቲ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ፈተነ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን በቲ ካልእ ምዃኑ’ዩ።

 

ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከቢድ ፖለቲካውን ጸጥታውን ውጥሪ ከምእትርከብ ‘ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0