ሶማል፣ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኪባ

ሶማል፣ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኪባ

Radio Erena: 04 September 2017

ONLF leader

መንግስቲ ሶማል፣ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘረከበ ክልቲኦም ወገናት ኣረጋጊጾም።

እቲ ዓብደልሓኪም ሸኽ ሙሰ ዝተባህለ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ሓላፊ ኦብነግ፣ ቤተሰብዩ ንምርኣይ ኣብ ዞባ ጋል ማዱግ፣ ናብ እትርከብ ከተማ ጋልካዮ ድሕሪ ምእታዉ’ዩ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓይልታት ጸጥታ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተታሒዙ።

እቲ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ወትሃደራዊ ሓላፊን ናይቲ፣ ንዞባ ኦጋዴን ካብ ኢትዮጵያ ንምንጻል ዝሕልን ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴም፣ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ብዘሎ ሓባራዊ ወትሃሃደራውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ’ዩ፣ መንግስቲ ሶማል ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኪብዎ።

ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝመስረተቶ ወትሃደራውን ጸጥታውን ምትሕግጋዛት፣ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ናይ ዝተፈላለዩ ውድባትን ምንቕስቓሳትን ኣብ ዘዝተታሕዝሉ ሃገራት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክርከቡ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2014፣ ኣቶ እንዳርጋቸው ጽጌ ዝተባህለ፣ ምክትል መራሒ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝመደበሩ ብሕብረት ናይ ግንቦት ሸውዓትን ግንባር ሓርበኛታት ኢትዮጵያን ናይ ዝቖመ ጉጅለ ፣ ብመንገዲ ኣየር የመን ካብ ዱባይ ናብ ኤርትራ እናምርሐ እንከሎ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ብሓይልታት ጸጥታ የመን ተታሒዙ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተረከበ ኣይርሳዕን።

ኬንያ’ውን ብወገና፣ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ’ዮም ንዝበለቶም ሓያሎ ሰባት ተደጋጋሚ እዋን፣ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵይ ከምዘረከበት ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኢትዮጵያ ምስ ሱዳንን ጅቡትን’ውን ተመሳሳሊ ስምምዓት ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

መራሒ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ብደምህት ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ምስ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ኣባላቱ ናብ ሱዳን ኣብ ዝተወሉ፣ መንግስቲ ሱዳን ምሉእ ውሕስነት ብምሃብ ኣብ መስከረም 2015 ናብ መንግስቲ ኢትዮዕያ ከምዘሰጋገሮ’ውን ይዝከር።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0