ስዊዘርላንድ ካብ ሰራዊት ዝተጣየሱ ኤርትራውያን ክጥረዙ ወሲና

ስዊዘርላንድ ካብ ሰራዊት ዝተጣየሱ ኤርትራውያን ክጥረዙ ወሲና

Radio Erena: 03 September 2017

 pfdj_swissመንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ካብ ሰራዊት ዝተጣየሱ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ፈደራላዊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 31 ነሓሰ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ካብ ሰራዊት ዝተጣየሱ እንተኾይኖም ናብ ሃገሮም ምምላስ ጸገም ኣየምጽኣሎምን’ዩ ብምባል ናይ ዑቕባ መሰል ከምዘይወሃቦም ኣፍሊጡ።

ብኣገላልጻ’ቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ‘’ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ግዱድን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉን ውትህድርና ስለዘሎ፣ ናይ ዝበዝሑ መንእሰያት ጠንቂ ስደት ኮይኑ’ሎ’’ ይብል፣ እንተኾነ ብመንግስቲ ኤርትራ ካብ ውትህድርና ዝተጣየሱ እንተኾይኖም ኣብ ሃገሮም ሰላማዊ ሲቪላዊ ህይወት ክመርሑ ይኽእሉ’ዮም ብምባል’ዩ ነዚ ናይ ዑቕባ መሰል ዝነፍጎም ዘሎ።

እዚ ውሳኔ’ዚ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስዊዘርላንድ ዝጸንሑ ኮነ ነቶም ኣብዚ ሓጺር እዋን ዝኣተዉ እሞ ንመንግስቲ ኤርትራ 2% ዝኸፍሉ’ውን ከምዘጠቓልል ሮይተርስ ካብታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣቐድም ኣቢሉ መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሃዲሞም ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም፣ ተመሊሶም ናብቲ መንግስቲ ግብሪ እንዳኸፈሉ ናብ ሃገሮም ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ዘሕልፉ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ዝብል እማመ ብተደጋጋሚ ከቕርብ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ካብ ዝሓቱ ስደተኛታት ቁጽሪ፣ ናይ ኤርትራውያን ዝለዓለ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 14,500 በጺሑ። ካብዚኦም 9 ሽሕ ኤርትራውያን ግዚያዊ ናይ ዑቕባ መሰል ከምዝተዋህቦም ጸብጻባት’ታ ሃገር የረድኡ።

እዚ ፈደራላዊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ዝሓለፈ ሓሙስ ዘጽደቖ ውሳኔ፣ ናይ መወዳእታን ይግባይ ዘይበሃሎን ምዃኑ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ይሕብራ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0