ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሪያድ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ናብ ሃገሩ ከይኣቱ ከልኪላ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሪያድ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ናብ ሃገሩ ከይኣቱ ከልኪላ

Radio Erena: 04 September 2017

President Yemen

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ነቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ከተማ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ናብ ሃገሩ ከይኣቱ ከምዝኸልከለት ማዕከናት ዜና ዓረብ ኣረጋጊጸን።

ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ብ28 ነሓሰ ናብ ከተም ዓደን ንምምራሕ፣ ኣብ ሪያድ ፣ ናብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድ ቢን ዓብደልዓዚዝ ድሕሪ ምጽብሑ፣ በረርኡ ክስርዝ ከምዝተነግሮ መርበብ ሓበሬታ ኣልዓረቢ ገሊጻ።

እቲ ዒድ ኣልኣድሓ፣ ከተማ ዓደን ንምብዓልን ኣብ የመን ምስ ዝርከቡ ገለ ኣባላት መንግስትን ንምርኻብ ናብ ሃገሩ ከምርሕ ወጢኑ ግና ዑደቱ ክስርዝ ዝተሓበሮ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ትኹን ስዑዲ ዓረብ ብወገነን ብዛዕባ ምኽንያት ምስራዝ ዑደት ፕረዚደንት የመን ናብ ሃገሩ ዝሃቦ መብርሂ የለን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ኣቑማቶ ካብ ዘላ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ንክሊ ማይን ኣየርን ደቡባዊ የመን ትቆጻጸሮ ከምዘላ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0