ኣመርካ፣ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ተፈጢር ንዘሎ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ወኪላ ትልእኽ

ኣመርካ፣ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ተፈጢር ንዘሎ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ወኪላ ትልእኽ

Radio Erena: 13 July 2017

Rex

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሬክስ ቲለርሰን፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልክተ ምስ ኣርባዕተ ሃገራት ዓረብ ተዘራሪቡ።

ብሮቡዕ 12 ሓምለ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ጅዳ ዝኣተወ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ምስ ንጉስ ሳልማን ድሕሪ ምርኻብ’ዩ፣ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ባሕሬንን ግብጽን ብጉዳይ እቲ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ዝዘተየ።

ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን ኣርባዕተ ሃገራት ዓረብ፣ ቀጠር ምስ ኢራን ብምትሕብባር ሓያሎ ዕጡቓት ትድግፍ’ያ ክብላ ኣብ 5 ሰነ ብምኽሳስ ኣብ ልዕሊኣ እገዳ ከምዘተግበራ ኣይርሳዕን።

እዘን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ቀጠር ዘንበርኦ እገዳ ንኸልዕለኦ፣ ምዕጻው ኣልጀዚራ ዝርከቦ 13 ጠለባት ከቕርባ እንከለዋ፣ ቀጠር ብወገና ነቲ ዝቀረበላ ክሲ ብምንጻግ ነቲ ጠለብ ከምዘይተተግብር’ያ ኣነጺራ።

ኩዌት፣ ሱዳን፣ ቱርኪን ሓያሎ ሃገራት ምዕራብን እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ናይ ሽምግልና እማመ ከቕርባ ጸኒሐን’ያ።

ምስ ክልቲኦም ወገናት ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ኣመሪካ፣ ነተን ሃገራት ናብ መኣዲ ዘተ ንምቕርራበን ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኣ ወሲዳቶ ዘላ ተበግሶ ኣብ ሓጺር እዋን እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ከምዘይኮነ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ የረድኡ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ወከልቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ባሕሬይንን ግብጽን ዘካየዶ ዝርርብ ሎሚ ሓሙስ 13 ሓምለ ቀጠር ኣትዩ ኣሎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0