ሶማል፣ ምቁራጽ ኢንተርነት 130 ሚልዮን  ዶላር ክሳራ ከምዘስዓበ ትገልጽ

ሶማል፣ ምቁራጽ ኢንተርነት 130 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ከምዘስዓበ ትገልጽ

Radio Erena: 13 July 2017

Somali Internet

ኣብ ሶማል፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣጋጢሙ ዘሎ ምቁራጽ ኢንተርነት ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ክሳራ የስዕብ ከምዘሎ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ’ቲ ምብታሕኽ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝርከብ ናይ ፋይበር መስመራት ከምዘጋጠመ ዝግለጽ ዘሎ ምቁራጽ ኢንተርነት፣ ነታ ሃገር መዓልታዊ 10 ሚልዮን ዶላር ክሳራ የስዕበላ ምህላዉ ሚኒስተር ቴሌኮሚኒኬሽን ሶማል ዓብዲ ኣንሱር ሓሰን ኣፍሊጡ።

እቲ ክሳራ ኢንተርነት ካብ ዘቋርጸሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብድምር ኣስታት 130 ሚልዮን ዶላር በጺሑ ከምዘሎ እቲ በዓል ስልጣን ይጠቅስ።

እቲ ጠንቁ ብልክዕ ዘይተነጸረ ምብታሕ ናይ ፋይበር መስመራት ኢንተርነት ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክጽገን ትጽቢት ይግበረሉ።

መንግስቲ ሶማል፣ በቲ ምቁራጽ ኢንተርነት ዝተሃስያየጽላታት እኳ እንተዘየነጸረ፣ ዝበዝሐ እቲ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎታት ኣብ ምሕዋልን ምስግጋርን ገንዘብ ዝነጥፍ ምስ ምዃኑ፣ ፊናንስውያን ትካላታን ባንክታትን እተን ቀንዲ ግዳያት ክኾና ከምዝኽእላ ይግመት።

ናይ ፋይበር መስመራት ኢንተርነት፣ ብመንገዲ ገማግም ባሕሪ ኬንያ ኣቢሉ’ዩ ኣብ 2013 ናብ ሶማል ተኣታት’ዩ።

ካብ 2014 ኣትሒዙ ኣስታት 1.6 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ሶማል ኣገልግሎት ኢንተርነት ይረክብ ከምዘሎ መጽናዕታት ይሕብሩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0