ባይቶ ጸጥታ፣ ኤርትራን ጅቡትን ጉዳየን ብሰለማዊ መንገዲ ክፈትሓ ጸዊዑ

ባይቶ ጸጥታ፣ ኤርትራን ጅቡትን ጉዳየን ብሰለማዊ መንገዲ ክፈትሓ ጸዊዑ

Radio Erena: 21 June 2017

UNSC

ተዓዛዊ ሰራዊት ቀጠር ድሕሪ ምውጽኡ፣ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕበን ዘሎ ናይ ዶብ ጉዳይ ብሰለማዊ መንገዲ ክፈትሐኦ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

እቲ ባይቶ ብዛዕባ’ቲ ጅቡቲ ዘቕረበቶ፣ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ተዓዛቢ ሰራዊት ቀጠር ዝሓደጎ ቦታታት ተቖጻጺሩ ዝብል ጥርዓን ንምዝታይ ብሰኑይ 18 ሰነ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ፣ ክልትኤን ሃገራት ጉዳየን ብሰለማዊ መንገዲ ክፈትሓ ዝጸወዐ።

ብተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ፖለቲካ ታየ ብሩክ ዘሪሁን ተመሪሑ ዝተኻየደ ዘተ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶብ ተዓዛቢ ክልእኽ ንዘቕረቦ እማመ ደጊፉ።

ባይቶ ጸጥታ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ነቲ ጉዳይ ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ክሰርሕ ምዃኑ’ውን ተመባጺዑ።

ቀጠር ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ተዋፊሩ ዝነበረ 450 ተዓዛቢ ሰራዊት ድሕሪ ምስሓባ፣ ኣብ ጎቦታት ዱሜራ ምንቅስቓስ ሰራዊት ክልትኤን ሃገራት እኳ እንተነበረ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ግና እቲ ቦታ ብሰራዊት ኤርትራ ከምዝተታሕዘ’ዩ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን ከሲሱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ከኣ እቲ ሓቒ ክሳብ ዝጻረ ዝብሎ ነገር ከምዘይብሉ ጥራይ’ዩ ገሊጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ክልትኤን ሃገራት ክሃድእን ካብ ግጭት ክቁጠባን ምጽውዑ ይዝከር።

ኢጋድ’ውን ምስ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ባይቶ ጸጥታን ዝመሳሰል ወግዓዊ መግለጺ ኣብ 19 ሰነ ኣውጺኡ ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0