ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ጎዲሉ

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ጎዲሉ

Radio Erena: 21 June 2017

Eri Arrivals in Italy

ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝውሕዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝሒ ኣዝዩ ከምዝጎደለ ንጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ብምጥቃስ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ግንቦት 2017 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ናይ ዝሰገሩ ብዝሒ ስደተኛታት 60, 228 ክኸውን እንከሎ፣ ካብዚእቶም እቶም 2344 ጥራይ’ዮም ኤርትራውያን።

ብመሰረት እቲ ናይ ኢጣልያ ጸብጻብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብብዝሒ ስደተኛታት ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ሃገር ብ9286ናይጀርያ ክትከውን ኤርትራ ከኣ ኣብ ታሽዓይ ደረጃ’ያ ተሰሪዓ ትርከብ።

ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ግንቦት 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ብድምር 47, 883 ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ብ6501 ድሕሪ ናይጀርያውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዩ ተሰሪዑ ኔሩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይዚ 2017 ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ4157’ዩ ጎዲሉ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዜጋታት ናይጀርያ ክኾኑ እንከለዉ፣ ዜጋታት ባንግላዲሽ፣ ጊኒ፣ ኣይቮሪኮስት፣ ጋምብያ፣ ሰኔጋል፣ ማሊ፣ ኤርትራን ሱዳንን ከኣ ንዜጋታት ናይጀርያ ስዒቦም ክሳብ 10 ተርታ ሒዞም ዘለው’ዮም።

መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያን ገለ ክፋል ሱዳናውያንን`ውን ናብ ኢጣልያ ድሕሪ ምእታዎም ብስም ዜጋታት ኤርትራ ስለዝምዝገቡ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብዚ ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ክጎድል ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም 1828 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ህወይቶም ከምዝሓለፈ’ዩ ዝግለጽ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0