ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብረዚን ክብሪ ይዝክራ ኣሎ

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብረዚን ክብሪ ይዝክራ ኣሎ

Radio Erena: 20 June 2017

20 June

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ብረዚን ክብሪ ይዝክራ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውትያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣብ ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ መልእኽታት፣ ንሰማእታት ዘለዎም ረዚን ክብሪ ብምርግጋጽ መብጻዓ’ቶም ሰማእታት ዝትግበር፣ ኤርትራ ደሞክራስዊ መንግስቲ ምስ እትተክልን፣ ዜጋታታ ድማ ብሓርነትን ሰብኣዊ ክብርን ምስ ዝነብሩ ጥራይ’ዮም ክብሉ ኣስሚሮም።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ሽምዓ ብምውላዕ፣ ጉዕዞ እግሪ ብምክያድን ካልእ ንጥፈታት ብምውዳብን’ዮም ዝዝክሩ ዘለዉ።

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0