ሰለስተ ኣባላት ናይታ ኣብ ቦትስዋና ዑቕባ ዝሓተተ ክፋል ሃ/ ጋንታ ኤርትራ፡ ምስ ሓንቲ ካብ ክለባት ‘ታ ሃገር ንምጽንባር ልምምድ ጀሚሮም

ሰለስተ ኣባላት ናይታ ኣብ ቦትስዋና ዑቕባ ዝሓተተ ክፋል ሃ/ ጋንታ ኤርትራ፡ ምስ ሓንቲ ካብ ክለባት ‘ታ ሃገር ንምጽንባር ልምምድ ጀሚሮም

Radio Erena: 11 June 2017

National Team

ሰለስተ ኣባላት ናይ’ታ ኣብ 2015 ካብ ቦትስዋና ናብ ኣስመራ ምምላስ ዝኣበየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሎሚ ዓመት ናብ ውድድር ፕሪምየርሺፕ ቦትስዋና ዝሓለፈት ታፊክ ምስ ዝተባህለት፡ክለብ ንምጽንባር ልምምድ ከካይዱ ምጅማሮም ዘ ሳውዘርን ታይምስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዞም ምስ ካልኦት ሸውዓተ ብጾቶም ኣብ ቦትስዋና ተሪፎም ኣብ’ታ ሃገር ዑቕባ ዝሓተቱ ተጻወትቲ፡ ዱክዊ ካብ ዝተባህለ መዓስከር ስደተኛታት ተበጊሶም፣ 130 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ፍራንሲስታውን እናተመላለሱ እዮም ልምምድ ዝገብሩ ዘለዉ።

ሰለስቲኦም ተጻወትቲ፣ ኣብ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ነሓሰ ዝኽፈት ሓድሽ ዓመተ ስፖርት ውድድር ፕሬመርሺፕ ምስ ጋንትኡ ኮይኖም ንኽጻወቱ ተገዳስነት ከም ዘርኣዩ ዝሓበረ፣ ወሃቢ ቃል ክለብ ታፊክ፣ ዋራንት ኮሎላ፣ ብብቕዓቶምን ቴክኒካዊ ክእለቶምን ከም እተመሰጠ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ነዞም ሰለስተ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ካብቲ ተዓቑቦምሉ ዘለዉ መዓስከር ዱክዊ ናብ ከተማ ፍራንሲስታውን፣ መዓልታዊ 130 ኪሎ ሜትር ዝኣክል ርሕቀት ንምምልላሶም ኣጸጋሚ ብምዃኑ፣ኣባላት ክለብ ታፊክ ካብ ዓመታዊ ዕረፍቲ ክሳብ ዝምለሱ ዝምለሱ፡ ኣብቲ መዓስከር ንክጸንሑ ከም ዝተረዳድኡ ኣፍሊጡ።

እዞም ምስ ክለብ ታፊክ ንኽጽንበሩ ኣብ ድርኩኺት በጺሖም ዘለዉ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ብዘይጋንታ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ተጻወትቲ፡ ብዝሖም ‘ምበር ኣስማቶም ኣይተሓበረን።

እዞም ሰለስተ ኤርትራውያን ተጻወቲ ምስ ሓንቲ ካብ ክለባት እታ ሃገር ንምጽንባር ከምዝተቓረቡ ዝሕበር ዘሎ፣ መንግስቲ ቦትስዋና ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ክመልስ ከምዝኽእል ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብ መዓስከር ዱክዊ፣ ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዝርከብዎም ልዕሊ 2 ሽሕ ስደተኛታት ተዓቝቦም ከምዘለዉ ጸብጻብ ዘ ሳውዘርን ታይምስ የመልክት።

መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ንምክያድ ኣብ ጥቅምቲ 2015 ናብ ቦትስዋና ዘምርሐት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ 10 ኣባላት ኣብ ቦትስዋና ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፉ ኣይርሳዕን።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0