መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ሶማል ዘትዮም

Radio Erena: 27 March 2017

IGAD som

መራሕቲ ሽዱሽተ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ህሉው ሰብኣዊ ኩነታት ሶማል ዘትዮም።

እቶም መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ኬንያን፣ ብቀዳም 25 መጋቢት ኣብ ኬንያ፣ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ኣብ ሶማል ንዘሎ ኩነታት ስደተኛታት ብምትኳር፣ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንስደተኛታት ሶማል ክሕግዛ ተማሕጺኖም።

ለገስቲ ሃገራት’ውን ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ህይወቶም ዳግም ንምጥያስ እጃመን ከበርክታ እቶም ኣብ ኬንያ ዝተጋብኡ መራሕቲ ኢጋድ ለበዋ የመሓላልፉ።

ሶማል ኣስታት 2.5 ሚልዮን ዜጋታታ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ከምዘለው ዝግለጽ ኮይኑ፣ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝተኻየደ ጻዕሪ ከምቲ ዝድለ ኣይተዓወተን።

መብዛሕቶም ካብዞም ኣስታት 2.5 ሚልዮን ስደተኛታት ሶማል ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ኣብ መዓስከራት ተዓቝቦም ይርከቡ።

ኣብ ጅቡትን ኡጋንዳን ዘይንዓቕ ቁጽሪ ሶማላውያን ስደተኛታት ክህልዉ እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣባ ከባቢ ባጽዕ፣ እምኩሉ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣስታት 4 ሽሕ ሶማላውያን ስደተኛታት ተዓቝቦም ከምዘለው ጸብጻብ ትካላት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

እታ ሃገር ኣብ ርእሲ ‘ቲ ዘለዋ ናይ ጸጥታ ሃጓፋት፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገጢምዎ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ’ውን ብኸቢድ ኣንጸላልዩዋ ብምህላዉ፣ ንኩነታት ስደት እታ ሃአር ከጋድዶ ከምዝኽእል እቲ ትካል የጠንቕቕ።

ኣብቲ ብጻውዒት ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢጋድ መራሕቲ ኤርትራን ሱዳንን ኣይተረኽቡን።

ኢትዮጵያ፣ ንኢጋድ፣ ኤርትራ ንምንጻል ከም መሳርሒ ትጥቀመሉ ኣላ ክትብል ዝሓለፈ ወርሒ ምውቃሳ ይዝከር።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0