መንግስቲ ኤርትራ፣ ተወሰኽቲ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ንምሽማት ምስ ቻይና ይዘራረብ

Radio Erena: 24 March 2017

MA 60

መንግስቲ ኤርትራ፣ MA-60ዝዓይነተን ንኣሽቱ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ንምሽማት፣ ምስ ቻይና ይዘራረብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ ዝሸመተን ኣስታት 60 ሰባት ዝሕዛ ክልተ ተመሳሰልቲ ነፈርቲ፣ ካብን ናብን ኣስመራ፣ ባጽዕን ዓሰብን ውሽጣዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ እኳ እንተተመደባ፣ ብዘጋጥመን ዘሎ ተደጋጋሚ ቴክኒካዊ ጸገማት ግና ብዙሕ እዋን ግራውንድ ይኾና ከምዘለዋ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

እተን መንግስቲ ኤርትራ ንውሽጣዊ በረራታት ዝጥቀመለን ዘሎ ስርሓት ኩባንያ ሺኣን ናይ ቻናይ ዝኾና ነፈርቲ፣ ንናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ከየገልግላ ብኣህጉራዊ ኣቭየሽን ዝተኸልከላ’የን።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ግብጺ ብክራይ ዘምጽኣ ኣንቶኖቭ ዝዓይነታ ነፋሪት’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ከምዘላ’ዩ ዝንገር።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን ካብ ዩክሬይንን ኣርሜንያን ብዘምጽአን ኣየር ባስ ዝዓይነተን ነፈርቲ፣ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ ንምብርባር ዝገበሮ ጻዕርታት ከምቲ ዝድለ ከድምዕ ከምዘይክኣለ ይግለጽ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0