ኢትዮጵያ፣ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ ዘዕቁባ ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም ምዃና UNHCR ኣፍሊጡ

Radio Erena: 08 March 2017

Camps

ኢትዮጵያ፣ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ ዘዕቁባ ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም ምዃና ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR )ብ27 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2016 እታ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝተዓቝቡላ ሃገር ቱርኪ ኮይና፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያ ዝርከብዎም 2. 8 ሚልዮን ስደተኛታት ተቐቢላ።

ንቱርኪ ስዒባ 1.6 ሚልዮን ስደተኛታት ዘዕቆበት ሃገር ፓኪስታን ክትከውን እንከላ፣ ሊባኖስ ድማ ኣስታት 1 ሚልዮን ስደተኛታት ኣአንጊዳ።

978,000 ስደተኛታት ብምዕቋብ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር ኢራን’ያ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሑ ስደተኛታት ኣዕቝባ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ብደረጃ ዓለም ሓሙሻይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ዝርከብዎም 742,700 ስደተኛታት ከምዝተቐበለት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

UNHCR ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እተን ዝበዝሑ ስደተኛታት የዕቁበን ዘለዋ ሃገራት ዓለም፣ ማእከላይን ትሕቱን እቶት ዘለወን ሃገራት’የን።

ካብ ሃብታማት ሃገራት ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝተቐበለት ሃገር ጀርመን ኮይና፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት 478,600 ስደተኛታት ዑቕባ ንምሕታት ናብታ ሃገር ኣትዮም።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0