ኤርትራን ሩስያን፣ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ከምዘለወን ይገልጻ

Radio Erena: 30 January 2017

Osman Lav

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ዑስማን ብ30 ጥሪ ናብ ሞስኮ ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይህ ባሕርን ዘትዩ።

ኤርትራን ሩስያን ዝምድንአ ከሐይልን፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ብሓባር ክሰርሓን ዝብል ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጠን።

ድሕሪ’ቲ ርክብ፣ ክልቲኦም ሚኒስተራት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሚኒስተር ዑስማን፣ ሩስያ ንዝገበረትሎም ዕድመ ድሕሪ ምምስጋን፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንዝንቐሳቐሱ ሽበራውያን ኣብ ምህዳን ኤርትራ ምስ ሩስያ ብሓባር ክትሰርሕ ቅርብቲ ምዃና ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ላቭሮቭ ብወገኑ፣ ሩስያን ኤርትራን ኣብቲ ዞባ ዘለወን ኣረኣእያ ተመሳሳሊ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ሩስያ ኣብ ጽላት ዕደና፣ ሕርሻ፣ ስልጠና ዓቕሚ ሰብን ካልእን ምስ ኤርትራ ክትተሓጋገዝ ከምእትደሊ ገሊጹ።

ሩስያ፣ እገዳ ለውጢ ከምጽጽእ ይኽእል’ዩ እምነት ከምዘይብላ ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስተር፣ ካልእ ኣማራጺታት ክናደዩ ከምእትድግፍ ኣስሚርሉ።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣብ ዘንበረሉ፣ ሩስያ ናይ ድምጺ ተዓቕቦ ምግባራ ይዝከር።

ሚኒስተር ዑስማን፣ ሩስያ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቭላድሚር ፑቲን ዝተላእከ ደብዳቤ ብምብጻሕ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ክዘራረብ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0