ሓድሽ ኣዋጅ ትራምፕ፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፣ ሰፊሕ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ

Radio Erena: 31 January 2017

Immigra

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፣ ዜጋታት ሸውዓተ ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ሓድሽ ኣዋጅ ድሕሪ ምሕላፉ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ኣመሪካ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ዜጋታት እታ ሃገር፣ ትራምፕ፣ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ምእዋጁ፣ ንዜጋታት ኣመሪካ ንተነጽሎን ምትፍናንን ዘቃልዕ’ዩ ክብሉ ኮኒኖም።

እቲ ኣዋጅ ካብ 28 ጥሪ ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓሉ፣ ኣብ ሓያሎ መዓርፎ ነፈርቲ ኣመሪካ፣ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን በቲ ኣዋጅ ዝተጸልዉ ዜጋታት እዘን ሸውዓተ ሃገራት ሰንፈላል ኮይኖም ከምዘለው ከካብ ቦትኡ ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ናይ ትራምፕ ውሳኔ፣ ንዜጋታት ሱዳን፣ ሶማል፣ ሊብያ፣ የመን፣ ኢራን፣ ዒራቕን ሶርያን ናብ ኣመሪካ ዘእቱ ዝኾነ ቪዛ ከይረኽቡ ዝኽልክል ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቶም ድሮ ቪዛ ሒዞም ዝጸንሑ’ውን ጸልይዎም ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ብፍላይ ድማ ካብ ሃገራት እስላምን ማእከላይ ምብራቕን ንዝመጹ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎ ፕረዚደንት ትራምፕ፣ እዚ ንዜጋታት ሸውዓተ ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ሕጊ ን90 መዓልታት ከምዝጸንሕ’ዩ ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ኣመሪካ ን4 ኣዋርሕ ዝኾነ ስደተኛ ከምዘይትቕበል ኣነጺሩ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራትን ሓያሎ መራሕትን፣ እዚ ናይ ትራምፕ ውሳኔ፣ ንውዕል ጄኔቫ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝጻረር’ዩ ክብሉ ይነቕፍዎ ኣለዉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0