ቤ/ጽ ፕረዚደንት፣ ስም ዝርዝር ስድራቤታቶም ኣብ ደገ ዘቐመጡ ሰበ ስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን ይእክብ

Radio Erena: 30 January 2017

MOF A

ናብ ወጻኢ ዝተመደቡ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት፣ ስድራቤታቶም ከውጽኡ ፍቃድ ክወሃቦም ኣብ ዝሓትሉ ዘለዉ እዋን፣ መንግስቲ ስም ዝርዝር ናይቶም ድሮ ስድራቤታቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑቕባ ኣሕቲቶም ዘንብሩ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታትን ሰበ ስልጣናትን ይስንድ ምህላዉ ምንጭታት ኤረና ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጽኢ ሓቢሮም።

ሓያሎ ካብቶም፣ ኣንስቶም ደቆምን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ቆንስል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካናዳ ኣቶ ኣሕፈሮም ብርሃነ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ካናዳ፣ ኣምባሳደር ኣስመሮም ኣብርሃ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፓኪስታን ነበረ ዓብዱ ሄጂ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ነበረ ዑስማን ጅምዕ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ኣመሪካ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ነበረ ሱሌማን ኣልሓጅ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ኣመሪካ ካልኦትን ይርከቡ።

መብዛሕቶም እዞም ኣምባሳደራት፣ ብብልሽውናን ሓለፋን እናተጠቕሙ ኣንስቶም ደቆምን ናብተን ደሞክራስያውንን ውሑስ ምስግጋር ስልጣን ኣለውወን ዝብልወን ሃገራት እናለኣኹ ገሊኦም ዑቕባ ከምዝሓቱ ክገብሩ እንከለዉ፣ ገሊኦም ከኣ መንበሪ ፍቃድ ብምውጻእ ኣብ ስደት ከምዝነብሩ’ዮም ዝግበሩ ዘለዉ።

በንጻር እዚ ግና እዞም ኣምባሳደራት፣ ንህዝቢ ሰሚናራት ኣብ ዘካይድሉ እዋን፣ ንናይ ኤርትራ ዝወዳደር ሰላምን ጸጥታን የሎን፣ እናበሉ ህዝቢ ናብ ዓዱ ክምለስን ኣብ ዓዱ ከውፍርን፣ ኣብ ባይታ ዘየሎ ጎስጓሳት ከካይዱ ከምዝርኣዩ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኩነታት ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፣ ሚኒስተራት፣ ጀነራላትን ሓለፍቲ ጸጥታን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብሕክምናን ካልእን እናመኻነዩ ስድራቤታቶም ካብ ኤርትራ ቀስ ብቀስ ከውጽኡ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝተመደቡ ሰለስተ ሚኒስተራት ንኣብነት፣ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ስድራቤቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ዓሊ ዓብዱ ናብ ኣመሪካ፣ ኣቶ የማን ገብረ መስቀል ድማ ናብ ጀርመን ከምዘግዓዙ ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ኣይኮነን።

ኣምባሳደራት ዝርከብዎም ዲፕሎማሰኛታት’ውን ኣሰር እዞም ሰበ ስልጣን ብምኽታል፣ ቀስ ብቀስ ስድራቤታቶም የግዕዙ ምህላዎም ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኣ ኣዘራራቢ ኮይኑ ይርከብ።

ሰበ ስልጣናትን ኣምባሳደራትን መንግስቲ ኤርትራ፣ ስድራቤታቶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ቀስ ብቀስ ምግዓዞም፣ ኣብቲ ዘገልግልዎ ዘለዉ መንግስቲ እምነት ከምዘይብሎን፣ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝብልዎ ጸጥታ፣ ሰላምን ራህዋን ናይ ሓሶት ጎስጓስ ምዃኑን ዘግህድ’ዩ ክብሉ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ የቃልዑ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0