ኮርፐረሽን መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ከቢድ ክሳራ የንጸላልዎ

Radio Erena: 27 January 2017

Ethio Rail Co

ኮርፐረሽን መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከቢድ ክሳራ ምውዳቑ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር፣ እቲ ኮርፐረሽን ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸብጻቡ ኣብ ዘቕረበሉ፣ ካብ ዝጠለቦ 60.2 ቢልዮን ብር ዓመታዊ ባጀት፣ እቲ 10.5 ቢልዮን ብር ጥራይ ከምዝረኸበ ጠቒሱ።

ካብ ወጻኢ ሃገራት ብልቃሕ ክመጽእ ዝተባህለ 43 ሚእታዊይ ናይቲ ባጀት ዛጊት ከምዘይተረኽበ ዝሓበረ ኮርፐረሽን መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ፣ እቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ክሽፈን ዝተባህለ ተረፍ’ውን ፍርቁ ጥራይ ከምዝተረኽበ’ዩ ኣገንዚቡ።

መስርሕ መንገዲ ባቡር፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ብዝተረኽበ ልቓሕ ጥራይ ክኸይድ ብምጽንሑ፣ እቲ ልቓሕ ድማ ወለድ ይገብር ስለዘሎ፣ ኣብ ኮርፐረሽን መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝጀመረ’ውን ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር የመልክት።

ኢትዮጵያ፣ ንመንገዲ ባቡር ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝተለቅሓቶ ዕዳ ካብ 71.2 ቢልዮን ብር ናብ 76.3 ቢልዮን ብር ክብ ክብል እንከሎ፣ ናይ ቦንድ ውህሉል ዕዳ ድማ ካብ 15. 4 ቢልዮን ብር ናብ 17.6 ቢልዮን ብር ከምዝዓረገ እታ ጋዜጣ ትጠቅስ።

ብድምር፣ ንመንገዲ ባቡር ጥራይ ካብ ዝተዋህለለ ዕዳ ኣብዚ እዋን’ዚ 102.5 ቢልዮን ብር በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመረ ናይ ከተማ ባቡር ወይ ትራም’ውን ተመሳሳሊ ክሳራ ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ዘ ሪፖርተር ካብታ ከተማ የመልክት።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመረቶ ናይ ከተማ ባቡርን፣ ምህናጽ ናይቲ ካብ ወደብ ጅቡቲ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝርጋሕ ናይ ጽዕነትን መጓዓዝያን መንገዲ ባቡር ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ካብ ባንክታት ቻይናን ካልኦትን ከምዝተለቅሐት ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0