ኢትዮጵያ፣ ንምንቕስቓስ ዲፕሎማሰኛታት ዝድርት ኣዋጅ ተልዕል

Radio Erena: 09 November 2016

Dipl

ኢትዮጵያ ንምንቕስቓስ ዲፕሎማሰኛታት ዝድርት ኣዋጅ ከምዘልዓለቶ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር፣ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ 40 ኪሎሜተር ርሒቖም ከይንቀሳቀሱ ዝእግድ ኣዋጅ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዘውጽኣት ዝዝከር’ዩ።

እቲ ከም ኣካል ናይ ህጹጽ እዋን፣ ምንቕስቓስ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝእግድ ኣዋጅ፣ ንድሕነትን ጸጥታን ወጻእተኛታት ከምዝተኣወጀ’ዩ መንግስቲ እታ ሃገር ዝሕብር።

እንተኾነ ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ስለዝርከብ፣ ነቲ ንምንቅስቃስ ዲፕሎማሰኛታት ዝእግድ ኣዋጅ ከልዕሎ ከምዝወሰነ እቲ መንግስቲ ይገልጽ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ተቓወምቲ መደባት ቴሌቪዥን ሬድዮን ኢንተርነትን ከይከታተሉ ዝኽልክል ንዘሕለፎ ኣዋጅ ግና ኣየልዓሎን።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ደብረዘይቲ/ቢሾፍቱ ዝተጎሃሃረ ናዕቢ ህዝቢ ኦሮሞ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 8 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንዕ ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ ኣብ ቢሾፍቱ፣ ኣብ ሃማኖታዊ በዓል ‘ኢሬቻ’ ዝተጎሃሃረ ህዝባዊ ናዕቢ፣ መንግስቲ ኣስታት 50 ሰባት ከምዝተቐትሉ ክገልጽ እንከሎ፣ ተቓወምቲ ወገናት ግና ክሳብ 500 ከምዝበጽሑ’ዮም ዘመልክቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0