መንግስቲ ኤርትራ፣ መቀያየሪ ኣቕሑ ነፈርቲ ኵናት ንምዕዳግ ምስ ዩክሬናውያን ደላሎን ኣሰጋገርቲን ኣጽዋር ርክባት የካይድ

Radio Erena: 08 November 2016

General Tek

መንግስቲ ኤርትራ፣ መቀያየሪ ኣቕሑ ነፈርቲ ኵናት ንምዕዳግ ኣብ ዩክሬን ምስ ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲን ደላሎን ኣጽዋር ቀጻሊ ርክባት ኣብ ምክያድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ሶማልን ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ሰፊሕ ጸብጻብ፣ ምስ ሓደ ካብቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ዝነጥፍ ዝነበረ ዩክሬናዊ፣ ካብ ከተማ ቡካሬስት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ምስ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ርክብ ዘለዎም ክልተ ዩክሬናውያን ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

ብኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራትን ዑደት ብምክያድ ምስ ደላሎን ኣሰጋገርትን ኣጽዋር ርክባት ከምዘካየደ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ብጉልባብ ምርኢት ኣየር ወይ ኣየር ሾው ፌስቲቫል፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝመጻሉ፣ ዮናስ ሄኖክን ኣስመሮም ኣማኑኤልን ዝተባህሉ ክልተ ኣብረርቲ ሄሊኮፕተር ዑቕባ ንምሕታት ካብታ ጉጅለ ከምዝተሰወሩ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

ብሰንኪ’ቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ፣ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ መቀያየሪ ኣቑሑ ነፈርቲ ክሽምት ብዘይምኽኣሉ፣ ዝበዝሓ ነፈርቱ ካብ ስራሕ ደው ኢለን ከምዘለዋ’ዩ ዝፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ብሰንኪ እገዳ ክሽምቶ ዘይክኣለ ኣጽዋር፣ ብመንገዲ’ዞም ዘይሕጋውያን ደላሎን ኣሰጋገርትን መቀያየሪ ንምዕዳግ ካብ 2010 ኣትሒዙ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ እቲ መንግስቲ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ደላሎን ኣሰጋገርትን ኣጽዋር ዘካይዶ ዘሎ ርክባት፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብጉልባብ የመን ኣጽዋር ንምዕዳግ ጻዕርታት የካይድ ከምሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይገልጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሶማል ዘካየዶ ምትእትታውን ብጉዳይ ጅቡቲን ኣብ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ 2011 ክልተ እዋን እገዳ ከምዝተነብረሉ ኣይርሳዕን።

===================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0