ስዑዲ ዓረብ ምስ ግብጺ ዝነበራ ናይ ነዳዲ ምትሕግጋዝ ሰሪዛቶ

Radio Erena: 09 November 2016

Egypt Saudi

ስዑዲ ዓረብ ናብ ግብጺ እትልእኮ ነዳዲ ጠቕሊላ ደው ኣቢላቶ።

እታ ሃገር፣ ናብ ግብጺ ዝልኣኽ ዝነበረ ነዳዲ ካብ 1 ጥቅምቲ ኣትሒዛ ንግዜኡ ደው ከምዘበለቶ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ሚኒስተር ነዳዲ ግብጺ ጣሪቕ ኤል ሞላ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ መሰረት ግና፣ ስዑዲ ናብ ግብጺ ዝልኣኽ ነዳዲ ጠቕሊላ ደው ከምዘበለቶን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ብንግንስት ስዑዲ ዓረብ ዝውንንንነን ኩባንያ ነዳዲ ኣራምኮ፣ ናብ ግብጺ ዝልኣኽ ነዳዲ ጠቕሊሉ ደው ምባሉ ዛጊት ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ስዑዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 700 ሽሕ ቶን ነዳዲ ናብ ግብጺ ክትልእኽ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት እዚ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ‘ኳ እንተበጽሓ፣ ስዑዲ ብሃንደበት ናብ ግብጺ ከምዘይትልእኽ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥቅምቲ ምሕባራ ይዝከር።

ግብጺ ካብ ካልኦት ሃገራት ነዳዲ ብህጹጽ ከተምጽእ እኳ እንተኽኣለት፣ ነታ ሃገር ከቢድ ናይ ቁጠባን መነባብሮን ቅልውላው ከስዕበላ ጀሚሩ ምህላዉ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

ስዑዲ ዓረብ ናብ ግብጺ ነዳዲ ምልኣኽ ደው ዘበለትሉ ምኽንያት ብወግዒ ዝሃበቶ መግለጺ እኳ እንተዘየለ፣ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ሶርያን ምትእትታው ሩስያን ብዘለዋ መርገጺ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ ይሕብሩ።

ኣብ መንጎ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ግብጺ፣ ከተመሓድሮ ዝጸንሐት ሓያሎ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ ንስዑዲ ድሕሪ ከተረክባ፣ ስዑዲ ዓረብ ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 700 ሽሕ ቶን ነዳዲ ናብ ግብጺ ክትልእኽ’የን ተረዳዲኤን።

እቲ 23 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ምትሕግጋዝ ነዳዲ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ጠቕሊሉ ደው ምባሉ፣ እዘን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ክልተ ኣዕራብ ሃገራት ኣብ ዝበኣሰ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ከምዘለዋ ዝእንፍት’ዩ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0