ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ ንምቁራጽ ተዅሲ የመን ጸዊዐን

Radio Erena: 18 October 2016

US UK

ኣብ የመን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር ኣመሪካን ብሪጣንያን ጸዊዐን።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ብሪጣንያን ብ16 ጥቅምቲ ኣብ ሎንደን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ’ዮም ኵናት የመን ደው ክብል ጸዊዖም።

ኣብቲ ርክብ ምስ ኣመሪካዊ ጆን ኬሪን ብሪጣንያዊ ቦሪስ ጆንሰንን ዝተጸንበረ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ የመን እስማዒል ወልድሸኽ ኣሕመድ፣ ብዛዕባ ምቁራጽ ተዅሲ የመን ብዝምልከት ምስ ወከልቲ መንግስቲ የመንን ተቓወምቲ ሑቲን ዝርርብ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

ኵናት የመን፣ ዓመቱ ሓሊፉ ንሑቲ ካብ ከተማታት ከርሕቖ እንተዘይኮይኑ፣ ህላዌ ከስእኖ ብዘይምኽኣሉ፣ ንመራሒት እቲ ኵናት ዝኾነት ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ፈጢሩለን ከምዘሎ’ዩ ዝትንተን።

ዝተራቐቐ ኣጽዋር ዝዓጠቓ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ናይ መሬትን ባሕርን ወትሃደራውን ሎጂስቲካዊ ደገፍን እናረኸባ፣ ኣንጻር ሑቲ ዘካየድኦ ኵናት ከምቲ ዝወጠንኦ ክዕወታ ብዘይምኽኣለን፣ ኣመሪካን ብሪጣንያን ምቁራጽ ተዅሲ ክትግበር ይጽውዓ ከምዘለዋ’ውን ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ጉዳይ የመን፣ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክፍታሕ ከምዘይክእል ንጹር ድሕሪ ምዃኑ፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩዌት ዝተፈተነ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዓለ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0