ንኣተሓሕዛ ሜድያ ሃገራት ዓረብ ዝርኢ ዋዕላ ኣብ ሱዳን ክካየድ’ዩ

መራኸቢ ብዙሓን ሃገራት ዓረብ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝምርምር ዋዕላ ኣብ ከተማ ካርቱም ክካየድ እዩ።

እቲ ሓሙስ ዕለት 18 ነሓሰ ዝጅምር ዋዕላ ብሚኒስትሪ ዜና ሱዳንን ማሕበር ሃገራት ዓረብን ዝተወደበ ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና የመልክት።

 

ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስተር ዜና ሱዳን ኣሕመድ ቢላል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ዋዕላ ኣካል መበል 47 ኣኼባ ሚኒስተራት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ከምዝኾነ ድሕሪ ምጥቃስ፣ ሱዳን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝለዓለ ተመኩሮ ስለዘለዋ እቲ ዋዕላ ኣብ ከተማ ካርቱም ክኸውን ከምዝተወሰነ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ቀንዲ ዛዕባ እቲ ዋዕላ ኣብ ‘ሃይማኖት እስልምና ኣብ ሰላምን ክብሪ ወድሰብን ዝተመርኮሰ እዩ’ ዝብል ዛዕባ ኣተኲሩ፣ ማዕከናት ዜና ሃገራት ዓረብ ኣብ ምምካት ግብረሽበራ ዝሕዞኦ ስትራተጂ ከመይ ክኸውን ከምዝግባእ ክዝቲ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ዜና፣ ሱዳን ናብ ሽበራውያን ጉጅለታት ዝጽምበሩ መንእሰያት ዝወሓደ ቁጽሪ እትውንን ሃገር’ያ ኢሉ። ዝሓለፈ ዓመት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን፣ ሰብዓ መንእሰያት ናብ’ቶም ኣብ ሶርያን ሊብያን ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ዳዒሽ ከምዝተጸምበሩ ምግላጹ ይዝከር።

ግብጻውያን ሞያውያን፣ ኣብዚ ኣብ ከተማ ካርቱም ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዋዕላ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም ኣለዉ። መንግስቲ ሱዳን ጋዜጣታት ኣብ ምህጋር፣ ጋዜጠኛታት ኣብ ምእሳር፣ ብዓቢኡ ከኣ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ከምዘይሰፍን እንዳገበረ፣ ኣብ ተራ ማዕከናት ዜና ሃገራት ዓረብ ርእይቶ ክህልዎ ኣይግባእን፣ ክብሉ ገሊጾም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0