ፖሊስ ፈረንሳ ግዚያዊ መዕቆብ ስደተኛታት የዕኑ

ፖሊስ ፈረንሳ ግዚያዊ መዕቆብ ስደተኛታት የዕኑ

refugie raidፖሊስ ፈረንሳ ስደተኛታት ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ግዚያዊ መጽለሊ ኣዕንዩ።

እዚ ብተኸታታሊ ንመበል 30 ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ምዕናው ግዚያዊ መጽለሊ፣ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣውዲቑዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

 

ፈረንሳ ተኸታታሊ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምርኣያ መንግስቲ’ታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብምውሳዱ፣ ነዚ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘካዪዶ ዘሎ ዘመተ ጸማም እዝኒ ምሃቡ ብተጣበቕቲ መሰላት ይንቀፍ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዘመተ፣ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ትሕቲ መንገዲ ባቡር ግዚያዊ መጽለሊ ሰሪሖም ንዝጸንሑ ኣማኢት ስደተኛታት ክበታትኖም እንከሎ፣ ሓያሎ ከኣ ንግዚኡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብ ፈረንሳ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክወጹ ዝእዝዝ ውሳኔ ተዋሂቡዎም ከምዝተሰዱ ተሓቢሩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ 13 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ጎደናታት ከተማ ፓሪስ ክእለዩ ከምዝተገብረ፣ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ የመልክት።

እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶማልያን ኣፍጋኒስታንን ዝኾኑ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ናብ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ክሰግሩ ዝሕልኑ ምዃኖም ብተደጋጋሚ እዩ ዝግለጽ። ኣማኢት ካብኣቶም በዚ ፖሊስ ፈረንሳ ዘካዪዶ ዘሎ ዘመተ፣ ጎነጽ ተጠቒሙ ብምባል ተቓውሞ ከስምዑ ጸኒሖም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0