ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሰበ ስልጣናቱን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም ወይ ከኣ ዘይምህላዎም ዘረጋግጽ  ጸብጻብ ኣብ 21 ሰነ ክቀርብ’ዩ

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሰበ ስልጣናቱን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም ወይ ከኣ ዘይምህላዎም ዘረጋግጽ ጸብጻብ ኣብ 21 ሰነ ክቀርብ’ዩ

Radio Erena: 31 May 2016

De

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም ወይ ከኣ ዘይምህላዎም ዘረጋግጽ መርትዖ ክትእክብ ዝጸንሐት መርማሪት ኮሚሽን፣ ድሕሪ 21 መዓልታት ጸብጻባ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጄኔቫ ከተቕርብ’ያ።

እዛ ኮሚሽን ቅድሚ’ቲ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት እተቕርቦ ወግዓዊ ጸብጻብ፣ ሰነዳታ ኣብ 10 ሰነ ንህዝቢ ክትፍኑ ምዃና’ውን ይግለጽ ኣሎ።

ግዳያት ቤት ማእሰርቲ፣ ስደትን ካልእ ምክልባትን ዝኾኑ ኤርትራውያን ብኣካል ብምዝርራብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክትስንድ ዝጸንሐት መርማሪት ኮሚሽን፣ ሰበስልጣን እቲ መንግስቲ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዘኽስሶም መርትዖታት ከተቕርብ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰለታ ይፍጸም ከምዘሎ ድምጾም ካብ ነዊሕ እዋን ከስምዑ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ደለይቲ ለውጢ ከኣ ብሓፈሻ፣ ንመርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ን23 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ወዲቦም ምህላዎም’ውን ተፈሊጡ።

 

ኣብ ኤርትራ ዜጋታት ብሰንኪ ዝኽተልዎ እምነትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ብዘይሕግን ፍርዲን ንነዊሕ ዓመታት ክእሰርሩን ክሳቐዮን ክሳብ ዝሞቱን’ውን ከምዘለው ዝፍለጥ’ዩ።

ናይዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርትን ማእከላት ተሃድሶን ዝፍጸም ዘሎ ስቕያት፣ ስንክልናን ሞትን ተሓተቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሰበ ስልጣኖትን ምዃኖም፣ ኣብዚ መርማሪት ኮሚሽን ጸብጻባ ንምቕራብ እትዳለወሉ ዘሎ እዋን ተደጋጊሙ ይግለጽ ኣሎ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ንጸብጻብ እታ ኮሚሽን ድሕሪ ምስማቕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ውሳኔ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሰበ ስልጣኖቱን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም እቲ ባይቶ እንተደምዲሙ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክሲ ክምስረተሎም ይኽእል’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት እንተተኸሲሱ፣ ኣብታ ታሪኽ እቲ ቤት ፍርዲ፣ ኣብ ስልታን እንሃለዉ ካብ ዝተኸሱ ሰባት ድሕሪ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካልኣይ ክከውን’ዩ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘለዎ ሃዋኺ ተራ ክልተ እዋን ብባይቶ ጸጥታ እገዳ ዝተነብረሉ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ብውስታዊ ጉዳይ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተወሳኺ እገዳ ክንበረሉ’ውን ተኽእሎ ከምዘሎ ይዝረብ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0