ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ኣብ ከባቢ ሩባ ሞጎራይብ፣ ኣሸሊ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሓድሽ ዳህሳስ የካይድ

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ኣብ ከባቢ ሩባ ሞጎራይብ፣ ኣሸሊ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሓድሽ ዳህሳስ የካይድ

Radio Erena: 16 May 2016

ashe

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ኣብ ከባቢ ሩባ ሞጎራይብ፣ ኣሸሊ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሓድሽ ናይ ዕደና ዳህሳስ ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ቢሻ ናይ ወርቂ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ፣ ነቲ ናይ ቢሻ ፕሮጀክት ክሳብ ሩባ ሞጎራይብ ንምስፍሑ ዝሓልፈ ዓመት ብዝረኸቦ ፍቃድ’ዩ ኣብ ኣሸሊ ሓድሽ ዳህሳስ ዘካይድ ዘሎ።

ዛጊት ተኻይዱ ዘሎ ኩዕታን ዳህሳስን ከኣ ዘተባብዕ ውጽኢት ኣርእዩ ከምዘሎ ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያን ኔቭሰን ክሊፍ ዴቪስ ኣፍሊጡ።

 

ኣብ ኤርትራ ዕደና ካብ ዘካይዱ ዘለው 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፣ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ዘቕርብ ዘሎ እንኮ ዝኾነ ኔቭሰን፣ ኣብ ፕሮጀክት ቢሻ ዘካይዶ ዘሎ ዳህሳስን ዕደናን ዝሽፍኖ ስፍሓት መሬት 121 ትርብዒት ኪሎሜተር’ዩ።

ቢሻ ካብ ኣስመራ 150 ኪሎሜተር ንምዕራብ ርሑቑ ይርከብ።

ኣብዚ ናይ ቢሻ ፕሮጀክት፣ ዛጊር ንዕዳጋ ቀርቢ ዘሎ ፍርያት ወርቂ ጥራይ እኳ እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ ከኣ ነሓስን ዚንጎን ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራቡ እቲ ኩባንያ ምድላዋት የካይድ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊሕ ናይ ዕደና ፕሮጀክታት ዘካይድ ዘሎ ኔቭሰን፣ ከም ኩባንያ ህንጻ ሰገን ብዝኣመሰላ ትካላት ህግደፍ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝቀረበሉ ዓቕሚ ሰብ ብዘይግቡእ ክፍሊት ብምምዝማዙ ኣብ ካናዳ ክሲ ተመስሪትሉ ይርከብ።

ኣብዚ ቢልዮናት ዶላራት መኽሰብ ዝግሕጥ ዘሎ ናይ ካናዳ ትካል ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተዋፊሮም ዝነበሩ መንእሰያት ክሶም ንምቕራብ ተደጋጋሚ ጻውዒት ይቐርበሎም ምህላዉ ይፍለጥ።

ኔቭሰን 60 ሚእታዊት ዕደና ፕሮጀክት ቢሻ ክውንን እንከሎ 40 ሚእታዊት ከኣ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተሓዝአ’ዩ።

እቲ ኩባንያ ፍርያት ወርቂ ናብ ዕዳጋ ዓለም ምቕራብ ካብ ዝጅምር ኣብዚ ሰለስተ ዓመታት፣ ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ከምዘበርከተ ክሕብር እንከሎ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ከኣ ዛጊት ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ጽሩይ መኽሰብ ከምዘረከበ የረጋጋግጽ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0