ኤርትራን ግብጽን ኣብ ጽላት ሕርሻ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ዘትየን

ኤርትራን ግብጽን ኣብ ጽላት ሕርሻ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ዘትየን

Radio Erena: 13 May 2015

Egy Er

ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ጽላት ሕርሻ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ብዝምልከት ወከልቲ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ኣስመራ ዘትዮም።

ብማህር ዓብደል ሞነይም ዝምራሕ ልኡኽ ሚኒስትሪ ሕርሻ ግብጺ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ 8 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ዑደት ብምክያድ ምስ ዝመልከቶም ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ከምዝተዘራረበ ኣገልግሎት ዜና ግብጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ዝርርብ፣ ኤርትራ ኣብ ምርባሕ ደርሁ፣ ምትእትታው ምሩጽ ዘርእን ካልእ ሕርሻዊ ንጥፈታትን ካብ ናይ ግብጺ ተመክሮ ከምእትኽእል ተገምጊሙ።

 

ኣብቲ ርክብ ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኤርትራ ያሲር ሓሺም’ውን ከምዝተሳተፈ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር የመልክት።

ብጉዳይ ምህናጽ ዲጋ ኣብ ገማግም ወሓዚ ናይል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ፣ ምስ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ሓያሎ ናይ ሕርሻን ካልእን ምትሕግጋዝ ንምስፋሕ’ያ ትጽዕር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0