ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ንኽሳተፉ ንመራሕቲ ሃገራት ዓረብ ዕድመ የቕርብ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ንኽሳተፉ ንመራሕቲ ሃገራት ዓረብ ዕድመ የቕርብ

Radio Erena: 29 April 2016

sil

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ንኽሳተፉ ንሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ዕድመ ከምዘቕረበ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ዜና ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ፕረዚደንት ናብ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ቐጠር፣ ኢማራት ዓረብ፣ ግብጺ፣ ሱዳንን ካልኦትን ዕድመ ከምዘቕረበ ዘረጋጋጹ እቶም ምንጭታት፣ ካብቶም መራሕቲ ዝተዋህበ መልሲ ግና ዛጊት ከምዘይተፈልጠ ኣይረዲኦም።

መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ኣብ የመን ወትሃደራዊ ምትእትታው ዝፍጽም ዘሎ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ እስላማዊ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ይተሓጋገዝ ብምህላዉ፣ ካብዘን ሃገራት ቁጠባዊ፣ ወትሃደራዊ፣ ፖለቲካውን፣ ዲፕሎማስያው ደገፍ ንምርካብ ተስፋ ከምዘለዎ’ዩ ዝንገር።

 

እቲ መንግስቲ ንብሩራዊ ኢዮቤል ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፣ ብዝልዓለ ወጻኢታት ጎስጓስን ፕሮፖጋንዳን ብምክያድ፣ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ሕቶ ደሞክራስን ብዝምልከት ካብ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ዓለም ገጢምዎ ንዘሎ ጸቕጢ ንምሽፋኑ’ዩ ዝጽዕር ዘሎ።

ብዘይካ’ቲ ብባይቶ ጸጥታ ተነቢርሉ ዘሎ እገዳ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት’ውን ብሰንኪ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተወሳኺ ምጽራያት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ኣብ ኣህጉራውያን ዞባውን ተነጽሎ ወዲቑ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ የመን ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቓም፣ ጠመትኡ ናብ ሃገራት ዓረብ ዘቢሉ ይርከብ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0