ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ሓደ ተማሃርይ ተቐቲሉ

ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ሓደ ተማሃርይ ተቐቲሉ

Radio Erena: 29 April 2016

Kha

ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ካርቱም፣ መንግስቲ ንህንጻ እቲ ዩኒቨርሲቲ ክሸጦ ይውጥን ኣሎ ብዝብል ኣብ ዘካየድዎ ተቃውሞ ሰልፊ ሓደ ተማሃርይ ተቐቲሉ።

ኣገልሎት ዜና ፈረንሳ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ 200 ዝኾኑ ተማሃሮ ናይቲ ማእከልት ከተማ ካርቱም ኣብ ገማጋም ብሉ ዝርከብ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፣ ብ26 ሚያዝያ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፣ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን እታ ሃገር ንምብታኖም ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ከምዝተኮሱ ኣረጋጊጹ።

ተመሃሮ’ውን ከም ግብረ መልሲ ኣእማን ከምዝወርወሩን ንናይ ዓይኒ መሰካኽር ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና የመልክቱ።

 

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ናብ ግጭት ድሕሪ ምዕራጉ፣ መንግስቲ ሱዳን ተወሰኽቲ ሓይልታት ጸጥታ ብምውፋርነቶም ተማሃሮ ኣብ ከበባ ብምእታው ፣ ንሓያሎ ካብቶም ተማሃሮ ብምቕያድ ነቶም ዝተረፉ ከምዝበተንዎም ተፈሊጡ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምዕጻዉ ይኹን ናይ ምሻጡ መደብ ከምዘይብሉ ይገልጽ እኳ እንተሎ ተማሃሮ ግና ክኣምንዎ ኣይከኣሉን።

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሱዳን፣ ንመሰላቶም ዝጉዕጽ ዝኾነ ስጉምቲ ኣብ ዝውሰደሉ እዋን ተቓውሞ ብምውዳብ ዝተፈልጡ’ዮም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0