ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ስማዊ ምርጫ ኣካይዱ

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ስማዊ ምርጫ ኣካይዱ

Radio Erena: 02 May 2016

ob

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኳቶርያል ጊኒ ቴዶር ኦብያንግ፣ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ስማዊ ምርጫ ኣካይዱ።

ኣብ 1979 ንኣኩኡ ብደማዊ ዕልዋ ብምእላይ ስልጣን ዝጨበጠ ፕረዚደንት ኦብያንግ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ስማዊ ምርጫ፣ 93 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ደገፍ ከምዝረኸበ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ደረጃ ሰብኣዊ መሰላት ካብ 187 ሃገራት ኣብ 144 ተሰሪዓ እትርከብ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ኣብዚ ናይ 37 ዓመታት ስልጣን ፕረዚደንት ቴዶር ኦብያንግ፣ ምስ ኩሉ’ቲ ዘለዋ ናይ ነዳድን ጋዝን ጸጋታት፣ ናብ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ከምዝወረደት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

 

ን37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ወዲ 73 ዓመት ቴዶር ኦብያግ፣ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ስማዊ ምርጫ ምክያዱ፣ ካብ ሓያሎ ተጣበቕቲ ደሞክራሲ ተቓውሞ ይስማዕ ኣሎ።

ኣብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዘለዉ መራሕቲ፣ እቲ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ ቴዶር ክኸውን እንከሎ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ብ23 ዓመታት ሻሙናይ ደረጃ ብምሓዝ፣ ንደምበ እቶም ንምስሊ እዛ ኣህጉር ደዊኖም ዝርከቡ ዕሉላት ውልቀ መለኽቲ ተጸንቢርዎ ይርከብ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0