ዶክተር ወልዳይ ፍጡር ኣብ ኣንጎላ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዘካየዶ ጎስጓስ በዳህቲ ሕቶታት ገጢምዎ

Radio Erena:- December 16, 2013

 

ብሚኒስተር ሃገራዊ ልምዓት ነበረን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣብ ቁጠባን ዶክተር ወልዳይ ፍጡር ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኣንጎላ ኣብ ንግዲ ተዋፊሮም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ መጺኦም ከውፍሩ ዘካየዶ ጎስጓስ፣ ተሳተፍቲ በዳህቲ ሕቶታት ከምዘቕረብሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ዶክተር ወልዳይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገሩም ከተውፍሩ ውሑስ ባይታ ኣጣጢሕልኩም ኣሎ ክብል ድሕረ ዘቀረቦ ናይ ጎስጓስ መግለጺ፣ ቅድሚ ሕጂ ብኤርትራውያን ዝተኻየደ ናይ ወፍርን ንግድን ፈተነታት ብሰንኪ መንግስቲ ተኾሊፉ ከብቕዕ ሕጂኸ ድማ እቲ መንግስቲ ተመሊስኩም ካፒታልኩም ኣብ ኤርትራ ኣፍሲሱ ምባሉ እንታይ ውሕስነት ኣሎ ክብሉ ንዘቕረብሉ ሕቶታት፣ ዶክተር ወልዳይ ብቑዕ መልሲ ክህብ ከምዘይክኣለ’ውን እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

 

ትካላት ህግደፍ ንቁጠባ ኤርትር ብሒቱ፣ ንንግድን ወፍርን ናይ ብሕቲ ቀቲሉ እንሃለወ፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃዋሁ ካፒታልኩም ኣብ ኤርትራ ኣውፍሩ ምብል ዘሰክፍ ኣይከውንን’ዩ ክዝብል ንዝቐረበሉ ካልእ ሕቶ ድማ፣ ዶክተር ወልዳይ መንግስቲ ኣብ ንግድን ወፍRን ምትዕርራይ ገሩ ከምዘሎን ንናይ ወጻኢ ወፍሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኣውፈርቲ ዘተባብዕ ባይታ ኣጣጢሁ ከምዘሎ ከረድእ ፈቲኑ።

እንተኾነ፣ ኣብቲ ኣብ ኣንጎላ ከተማ ሉዋንዳ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ዝተኻየደ ሰሚናር ካብ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ኣወፈርትን ነጋዶን፣ ንዝሓለፈ ተሞሮታት ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ደጋጊሞም እናልዓሉ ነቲ ላዕለዋይ ሉእኽ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘዋተርዎ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኣንጎላ፣ ካብ ኮንጎ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ቦትስዋናን ካልኦት ሃገራትን እናተመላለሱ ኣብ ንግድን ወፍርን ዝነጥፉ ኣምኢት ኤርትራ’ውን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ክሳብ ኣብ ዕደና ወርቂ ከውፍሩ ባይታ ከጣጥሓሎም ከምዝኽእል ይገልጽ እኳ እንተሎ ዓበይቲ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ግና ኣብቲ መንግስቲ እምነት የብሎምን።

መንግስቲ ኤርትራ ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ስለዝርከብ፣ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምርካብ ሓድሽ ናይ ወፍሪ ባይታ ከምዝፈጠረ ዋዕላታት ብምክያድ እኳ እንተጎስጎሰ ዘተባብዕ ውጽኢት ኣይተረኽቦን።

ብናይ ዝሓለፈ ተሞክሮታት ተሰናቢዶም ሃገር ገዲፎም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ወፍርን ንግድን ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ኣስሓት ኤርትራውያን፣ ኣብ ኤርትራ ከውፍሩ ከምዝደልዩ ዝገልጹ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካውን ወትሃደራውይን ኩነታትን ከምኡ ድማ ዓብላልነት ህግደፍ ኣብ ኩሉ ጽልታታት ሃገር፣ ንወፍሪ ዘተባብዕ ከምዘይኮነ ይጠቕሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብሕግን ስርዓተ ሕግን ዝምእዘዝ ስለዘይኮነ ፣ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ምክያድ ውሕስነት የብሉን ክብሉ ዝገልጽዎ’ውን ኣለዉ።
==========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0