ኣብ ጁባ ካብ ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ፣ እቶ እቶ ተኣዊጁ

Radio Erena: – December 16, 2013

 

ኣብ ጁባ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ናብ ትማሊ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ድሕሪ ዝትኻየደ ከቢድ ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ፣ ኣብታ ከተማ ሰዓታት እቶ እቶ ከምዝትኣወጀ ተገሊጹ።

ጠንቂ’ቲ ተዅሲ ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ ኣብ መንጎ ንሓድሕዶም ብዝተፈላለዩ ኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ፕረዚደንት ዝተፈጥረ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ብዛዕባ እቲ ኩነታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኣብ ምሉእ ቁጽጽር እታ ከተማ ከምዘሎ እኳ እንተሓበረ፣ ንግዚኡ ግና ካብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ዝኾነ ሰብ ከይንቀሳቐስ መጠንቐቕታ ተመሓላልፉ ኣሎ።

 

መንግስታዊ መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ፈነወኡ ከቛርጽ እንከሎ፣ መዓርፎ ነፈርቲ’ውን ካብ ስርሑ ደው ኢሉ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ድሕሪ’ዚ ንከተማ ጁባ ዘናወጸ ከቢድ ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ፣ እታ ከተማ ብድሩዓት መካይንን ዝተዓጀቡ ብብዝሒ ሰራዊት ትሕሎ ምህላዋ ኣፈኛ ሰራዊት እታ ሃገር ኮለነል ፊሊፕ ኣጉዌር ኣፍሊጡ።

ሓያሎ ኤምባሲታት’ውን ዜጋታተን ካብ ምንቕስቓስ ክቑጠቡ መልእኽታት ኣመሓላሊፈን።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ንብምልኦም ኣባላት ካቢነ ካብ መዝነቶም ብምእላይ፣ ሓድሽ ካቢነ ድሕሪ ምቛሙ፣ እታ ሃገር ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለዎ ማእለያ ዘይብሉ ብድሆታት፣ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ’ውን ፖለቲካዊ ፍፈሐ ክርአ ከምዝጸንሐ’ዩ ዝንገር።

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምፍሕፋሕ፣ ብቀንዱ፣ ኣብ መንጎ ካብ ዓለት ዲንካ ዝኾነ ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ካብ ዓሌት ኑዌር ዝኾነን ካብ ስልጣኑ ዝተባረረን ምክትሉ ነበረ ሬክ ማሻር’ዩ’ዩ።

እዚ ኣብ ቀጽሪ ፕረዚደንት ዝተኻየደ ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ’ውን ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ዓለቴታት ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

ሓያሎ ወገናት ድማ ምስ ፈተነ ዕልዋ የተኣሳስርዎ ኣለዉ።

ኣብታ ጁባ ኣሸሓት ኤርትራውያን ኣብ ንግድን ወፍርን ይሳተፉ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ በዚ ኣብታ ከተማ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይርጉእ ሃዋሁ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘለዉ ዝተወከስናዮም ወገናት የረድኡ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0