ብደረጃ ዓለም ዓቢ ስም ዘለዋ ክለብ ቅድድም ብሽክለታ ኤምቲኤን ኩቤካ፣ ንናይ 2014 ቅድድማ ንምድላው ተወሰኽቲ ክልተ ኤርትራውያን ምስኣ ጸንቢራ

Radio Erena:- December 16, 2013

 

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ቅድድም ብሽክለታ ኤም.ቲ.ኤን ኩቤካ፣ ንዓመተ 2014 ክልተ ብሉጻት ኤርትራውያን ተቓደደምቲ ጸንቢራ ምህላዋ ኣፍሊጣ።

እታ ብደረጃ ዓልም ዓቢ ስምን ዝናን ዘለዋ ኤም.ቲ.ኤን ኩቤካ ጸንቢራቶም ዘላ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣ ንኽልተ ዓመት ምስ ኣውስትራልያዊት ጋንታ ግሪን ኤጅ ዝጸንሐ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን፣ ምስ ፈረንሳዊ ክለብ ቅድድም ብሽክለታ ብሪታኝ ሰሸ ኤንቪሮሞ ዝጸንሐ መርሃዊ ቅዱስን’ዮም።

 

ጋንታ ኤምቲኤን ኩቤካ፣ ኣብ ናይ 2014 ዓመተ ቅድድም ብሽክለታ ብድምር ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብስክለታ ክህልዉዋ’ዮም።

ንሳቶም ድማ፣-ኣቐዲሞም ምስታ ጋንታ ዝጸንሑ፣ ፍረቓልሲ ደበሳይን ጃኒን ተወልደን ከምኡ ድማ ሕጂ ተጸንቢሮማ ዘለዉ ዳኒኤልን መርሃውን’ዮም።
ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዓቢ ስም ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኤምቲኤን ኩቤካ፣ ካብ ካልእ ሃገራት ካብ ዘምጽኣቶም ተቐዳደምቲ እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ጀርመናውያንን’ዮም።

እታ ጋንታ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝኣኻኸበቶም መንእሰያትን ነባራትን 25 ተቐዳደምቲ ክህልዉዋ እንከለዉ፣ 10 ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ 4 ካብ ኤርትራ፣ 4 ካብ ጀርመን፣ ሓደ ካብ ኢትዮጵያ፣ ሓደ ካብ ርዋንዳ፣ ሓደ ኣልጀርያ፣ ሓደ ካብ ስጳኛ፣ ሓደ ካብ ኢጣልያ፣ ሓደ ካብ ድማ ካብ ሊትዌንያ’ዮም።

ኤምቲኤን ኩቤካ፣ ኣብ 2014 ምስኣ ጸንቢራቶም ብድምር ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ እቶም ክልተ ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቲ ሳልሳይ ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ኣብ ናይ ዓቐበት ዝተዓወተ ጀርመናዊ ሊኑስ ጀርድማን’ዩ። እቲ ራብዓይ ድማ፣ ጋንታ ስካይ ዝነበረ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጆን ሊ ኡግቲን’ዩ።

ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኤርትራ፣ ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ናይ ቀዳማይ ማዕረግ ክሕዙ እንከለዉ፣ ኣብ ኣህጉራውያን ክለባት’ውን ልዑል ቆላሕታ ረኺቦም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

==============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0