ኤርትራን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘትየን

ኤርትራን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘትየን

Radio Erena: 28 September 2015

Osman Shuk

እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራን ብግብጻዊ መዘንኡ ሳመሕ ሹክሪ ዝተመርሐ ወኪል መንግስቲ ግብጽን’ዩ ተኻይዱ።

ክልቶኦም ወከልቲ መንግስታት፣ ብምኽንያት እቲ ኣብ ኣመሪካ ከተማ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ መበል 70 ሓፈሽእዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተራብሉ እዋን ከምዝተኻየደ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ርክብ ወከልቲ መንግስታት ኤርትራን ግብጽን ብሰለሱ 22 መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ከምዝተኻየደ ዘረጋገጸ ወሃቢ ቃል ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣሕመድ ኣቡ ዘይድ ከኣ፣ ክልቲኦም ወገናት ብዘይካ’ቲ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ኣብ ሽበራ፣ ህሉው ኩነታት እቲ ዞባን ካልእ ንክልቲኦም መንግስታት ኣብ ዘገድሱ ነጥብታት’ውን ከምዝተዘራረቡ ኣፍሊጡ።

 

ብፍላይ ኣብ ጉዳያት ደቡብ ሱዳን፣ የመንን ሊብያን ብምትኳር ሓሳብ ንሓሳብ ከምዝተለዋወጡ ዘመልከተ እቲ ወሃብ ቃል፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ብዙሕ መዳያት ክተሓባበሩ’ውን ከምዝተሰማምዑ ኣነጺሩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0