ግብጺ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 174 ስደተኛታት ቀይዳ

ግብጺ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 174 ስደተኛታት ቀይዳ

Radio Erena: 29 September 2015

egy

ካብ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ተበጊሶም ናብ ኢጣልያ ዘምርሑ ዝነበሩ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 174 ስደተኛታት ብሓይሊ ባሕሪ ግብጺ ተታሒዞም።

እቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ዳቓሕልያ ናይ ግዝቢ ዝተበገሱ ስደተኛታት ሒደት ኪሎሜተራት ድሕሪ ምብጋሶም ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ማትሩሕ ከምዝተታሕዙ መዓልታዊ ጋዜጣ ግብጺ ጠቒሳ።

ግብጺ ቀይዳቶም ዘላ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ሶርያን ካልኦት ሃገራት ዝርከብዎም 174 ስደተኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ከተቕርቦም ምዃና’ያ ትገልጽ።

 

ናብ ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም’ውን መብዛሕቶም ነናብ ዓዶም ክስጎጉ ከምዝኽእሉን ንደላሎን ኣሰጋገርትን ድማ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ከምዝቕየዱ’ዩ ዝንገር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኢጣልያ ብመንገዲ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ 24 ግብጻውያን ናብ ዓዶም መሊሳ።

እቶም ግብጻውያን ብናይ ገፈፍቲ ዓሳ ንእሽቶ ጃልባ ናብ ካታንያ ምስ ኣተዉ፣ ብሓይልታት ጸጥታ ኢጣልያ ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም ብነፋሪት ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0