ካብ ስቶኮልም ናብ ዓዲ ግራት

ካብ ስቶኮልም ናብ ዓዲ ግራት

Radio Erena: 13 July 2015 

Meles Isu

     ዘዋሪት ብርዐይ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ጉዕዞኣ፣ ካብ ኣኽርያ ከባቢ መደሽቶ ናብ ስቶኮልም ተዘዋሪራ ምንባራ ትዝክርዎ ትኾኑ።። ካብ ስቶኮልም ናብ ዓዲ ግራት እንተበለት ከ? ኣብዚ ጽሑፍ ጠቒሰዮም ዘለኹ ሰባት፣ ብዘይፍቓዶም ብምዃኑ ቁጥዕ እንተበሉ፣ ክትወሓሱኒ ኢኹም ዝብል እምነት ኣሕዲረ ኣለኹ። እሞ ሃየ በሉ ንኺድ፣- ካብ ስቶኮልም ናብ ዓዲ ግራት……………….

     ሓምለ 2009’ዩ። ኣዲስ ኣበባ ብዝናብ ተራኺሳ፣ ጎደናታታ ዝጥበስ ዕፉን ጆባእ! ዝብለሉ ወርሓት።

     ጎፋ ሆቴል፣ ካብ ቄራ ናብ ጎፋ ኣብ ዝወስድ ጎደና ኣብ ቅድሚት ካብ ዝርከባ ዓበይቲ ህንጻታት ሓንቲ’ያ። ኣብ ማእከል’ቲ መቀያየሪ ኣቑሑ ዓበይቲ መካይን ዝሽየጠሉ ከባቢ ከም ሆቴል ጎሊሓ እትርአ’ውን ንሳ ጥራይ’ያ። ዋላ’ኳ ኣብ መሽጎራጉር ናይቲ ከባቢ ንኣሽቱ ሆቴላትን ኣብያተ መግብን ብብዝሒ እንተለዋ።

 

     ኣሰፋ፣ ብዕድመ መዘናይ ዝበልክዎ ዕጉስ መንእሰይ’ዩ። ኣብ ጠርጴዛ መቀበል ኣጋይሽ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ናይቲ ሆቴል ንዘጋጥም ጸገማት ንምፍታሕ ላዕልን ታሕትን’ዩ ዝብል። ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ ዝዓበየ ምስ ምዃኑ፣ ከም ወዮ ደቂ’ስመራ ‘ወዲ ሹቕ’ እንብሎ ንሱ’ውን ኣራዳ ናይ ኣዲስ ኣበባ’ዩ። ነታ ከተማ ጋሽ ኣብ ዝነበርክሉ ሒደት እዋን ኣብታ ሆቴል ጸኒሐ’የ። ምስ ኣስፋ ክንፋለጥ ግዜ ኣየወሰድን። ስራሕ ይጽዕቖ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ክፍሊ መቐበል ኣጋይሽ ኣብ ጎኑ ኣብ ዘላ ንእሽቶ ሳሎን ተቐሚጠ’የ ከውግዖ ዝፍትን። ኣምሓርኛ ከምቲ ዝድለ ኣይመለኽክዎን። ንምርድዳእ ግና ኣይጽገምን።

     ሳልስቲ ኣብ ዘይወሰደ ግዜ ሓደ ንግሆ፣ “ሰብ ኣሎ ከፋልጠካ’የ፣ ወዲ ዓዲኻ’ዩ” በለኒ።

     ቅድሚኣ ኣብ ዝነበረት ዕለት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓያሎ ዓመታት ምስ ዝገበረ ኤርምያስ ዝተባህለ መተዓቢቲ ብኢንተርነት ተራኸብና’ሞ ጎፋ ሆቴል ከምዘለኹ ነገርክዎ። ኣብታ ሆቴል ሑርይ ተድላ ባይሩ’ውን ክፍሊ ሒዙ ከምዘሎ ሓበረኒ። ኣዲስ ኣበባ ዝኣተኹላ ግዝያት’ውን ብስም ደቂ መታሕት ዝተኣኻኸቡ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣውራርሲ ኣብ ዝተባህለት ናብ ቦሌ መድሃኔኣለም ኣብ ዝወስድ መንገዲ ሃያሁለት እትርከብ ሆቴል ኣኼባ ንምክያድ ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለዉ ሓበሬታ ረኺበ ኣለኹ።

     ሑርይ ተድላ ባይሩ’ውን ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ንምስታፍ’ዩ ዝኸውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ። ወይ’ውን ብኻልእ ስርሑ። ሑሩይ ንኣዲስ ኣበባ መንገዲ ማይ ከምዝገበሮ ኣስመራ እንከለኹ’የ ዝፈልጥ። ኣዲስ ኣበባ ምህላዉ ዝገርም ኣይኮነን። ኣብ ሆተል ምጽንሑ’ውን ኣይገርም። ክቡር ጋሽኦም’ዩ እሞ፣ ኣብ እንዳ ኡራኤል ኣብ ግዳም ክድቕስ ኣይኮነን።

     እቲ ዝገርም፣ ኣቶ ሑሩይ ኣብ ጎፋ ሆቴል መደቀሲ ክፍሊ ሒዙ ከምዘሎ ኤርምያስ ብኸመይ ክፈልጥ ክኢሉ’ዩ? ዝምድና’ውን ስለዘሎና፣ ንኤርምያስ ክሓቶ ኣይተሰከፍኩን።

     ኤርምያስ ምስቶም ቀዳሞት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ዩ። ንፉዕ ተማሃራይ’ዩ ዝነበረ። ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ስደቱ ንፉዕ ተጸናጻናይ ኮይኑ ኣሎ ማለት’ዩ ዝብል ግምት’የ ኣሕዲረ።

     “ፈሊጠ ኣለኹ ሰብ ነጊሩኒ ፣” ጥራይ’ዩ መሊሱለ።

     ሕቶ ብሕቶ’ውን ክድብድቦ ኣይደለኹን።

     “ኣሰፋ እቲ ረሰፕሽን ከ ኣሎ ዶ?” ኤርሚያስ’ዩ ሻሂ እንናሰተና።

     “እዚ ወዲ ዋና’ዛ ሆቴል ክኸውን ኣለዎ፣” ጥርጣረይ ሰማይ ዓረግ።

     “ተጠንቐቐሉ ኢኻ። ብሄራዊ መረጃ’ዩ፣” መመላእታ ሓበሬታ ካብ ኤርምያስ ነበረ።

     ”የህዝብ ደህንነትና ብሄራዊ መረጃ’ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ከም እንብሎ’ዩ። ኣሰፋ ኣባል ጸጥታ ይኹን ኣይኹን ዘሻቕል የብለይን፣ ኣዲስ ኣበባ ሸናዕ ክሳብ ዘበለንን ክሳብ ዘይጎድኣንን። ኣባል ጸጥታ እንተኾነ ድማ ስርሑ’ዩ ክሰርሕ። ተራ ስደተኛ ዝዓብሰሉ የብለይን። ከኽስሮ እንተዘይኮይነ።

     ኤርምያስ ዝደራረበለይ ሓበሬታ ዘገድሰኒ ኣይነበረን። የቐንየለን ምባሉ ግና ኣይረሳዕኩን።

     ኣዲስ ኣበባ ምህላወይ ዝፈለጠ ዘበለ፣ ብዙሕ መጠንቐቕታታ’ዩ ዝህበኒ ዝነበረ።

     “ኣንታ ወዲ ብኡ ኣቢልካ ከይትጠፍእ፣” ዝበሉኒ እቶም ዝብዝሑ’ዮም።

     እቲ ቀደም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ወዲ’ስመራ ኣብ መንጎ ኣስላፍን ባራትን ተቐርቒሩ’ዩ ዝጠፍእ ይብሃል ኔሩ። ከም ወዮ ኢትዮጵያውይን ናብ ሰሜን ዝኸደ ወትሃደር ኣብ ጎባታት ናቕፋ ተቐርቂሩ’ዩ ዝጠፍእ ዝብልዎ ዝነበሩ ማለት’ዩ። ካብ ዝተወሃበኒ ማዕዳን፣ ምኽርን መጠንቐቕታን እዛ ተቐርቒርካ ከይትጠፍእ እትብል ዝያዳ’ቲ ካልእ ሻቕሎታ ይዕንትር። ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዱ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ መንእሰይ እታ ዝኸበደት ፈትንኡ’ውን ንሳ’ያ ትኸውን በሃላይ’የ።

     ኣሰፋ ምስ ሓደ ‘ወዲ ዓድኻ’ዩ’ ዝበሎ ከላልየኒ መደብ ሒዙ። ኤርምያስ ብዝሃበኒ ኣንፈት፣ ኣቶ ሑሩይ ተድላ ባይሩ’ዩ ገሚተ። ምስ ሑርይ ብዕድመን ተሞክሮን ዘራኽብ ስለዘይብልና ከኣ፣ ኣሰፋ ምስዚ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ከላልየካ ምባሉ ከይገረመኒ ኣይተረፈን።

     ከባቢ ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ ኣብ መቐበል ኣጋይሽ እናውጋዕና፣ ጸጉሪ ርእሱ ጥልም ዘበልኦ ድሉዱል መንእሰይ ናብቲ ክፍሊ ኣተወ። ሰላምታ ተለዋዊጦም። መፍትሕ ናይ ክፍሊ እናሃቦ፣ ብስመይ ጸዊዑ ከላልየና ኣንቀደ። ድሕሪ ሰላምታ ዕላልና ብኡ ንብኡ ናብ ትግርኛ ስለዝተቀየረ፣ ቀደም ከም እንፋለጥ መሰልና። ግርማይ’ዩ ዝብሃል። ብስሙ ጥራይ ዝፈልጦ ግና ኣዝዩ ውሑድ ሰብ’ዩ። ግርማይ ዓደርደ እንተኢልካ ግን ዓለም ብዓለማ ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ፣ ካብ ኣኽርያ ሓዝሓዛ ክሳብ ማይ ተመናይ ዘይፈልጦ የለን። ስሙ ክትደጋገም ሰሚዐያ ኣለኹ። ኣብ ከመይ ዝበላ ዕላል ግን ኣይዝክሮን።

     “ግርማይ ዓደርደ ክብሉ ደቂ ኣኽርያ ሰሚዐ ኣለኹ፣'” በልክዎ።

     “ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ፣” ፍሽሕ እናበለ።

     ነገረ ሳጓ ከመይ ከምዝለግብ እናተዋዘኹ፣

     “ስለምንታይ ደኣ ዓደርደ ኢሎሙኻ?” ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምትሕሓዝ ከምዝህልዋ ርግጸኛ ኮይነ’የ። ዓደርደ’ውን መበቖል ሳጉኡ ምስ ምስ ጉዕሽ ቢራ እናቋወሰ’የ ኣውጊዑኒ።

+++++++++++

     ዓደርደ ኣብ መንጎ ከረንን ኣቑርደትን እትርከብ ንእሽቶ ከተማ’ያ። እንገርነን ዓደርደን፣ ብዙሓት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክደጋገምወን ይሰምዕ ነበርኩ። ክርእዮ ካብ ዝህንጠየሉ ምድረ ባርካ’ውን ነበረ። ብፍላይ ሓደ እዋን፣ እንገርነ ካብ እንገርነብ ዝፈለቀት ኮይና ኣይንግርነብን ማለት ምዃና ሓደ ቀሺ ክገልጹ ብዝሰማዕኩ ምግርናብ ናብቲ ከባቢ እንታይ ኣምጽኦ ክመራመር ዘይፈተንኩ ኣይኮንኩን። ምርምረይ ኣብ እንዳሻሂ ኮፍ ኢልካ’ዩ ዝነበረ።

stock adi

     ባርካ ኣብ ምዕጉርቲ ብዝፍጸም ምግርናብ ወይ ሸደሊ ዝተፈልጠ’ዩ። ኣብ መታልሕ ምግርናብ ወይ ምኽላሕ ኣብ ትግራይ-ትግርኚ’ዩ ዝዝውተር። ምስ ወራራት ኣሕመድ ግራኝ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኣታተወ ምልክት መስቀል ብጽንጽሕለ ኣብ ግንባራት ምክላሕ’ውን ከምዝነበረ ኣብ ገለሲ ኣንቢበ ኣለኹ። እንገርነ ምስዚ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ይህልዋ ይኸውን? ዝፈልጦ የብለይን።

     እንገርነን ዓደርደን ካብ ቀዳማይ ዙርያ ኣትሖዞም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብብዝሒ ዝተንቀሳቀስዎ ከባቢታት’ዩ። ግርማይ ዓደርደ’ውን ሓደ ካብኣቶም።

ምስብጾቱ ካብ ከባቢ ግላስ ናብ ግርማይካ’ዮም ዘምርሑ ኔሮም። ተሳፊሮሙላ ዝነበሩ ኤነትረ-ፊያት ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና፣ መሬት ዓይኒ እናኽሕዝ ኣብ ከባቢ ዓደርደር ከተዕርፍ ወሰነት። ግርማይን ብጾቱን፣ ኣብ ዓደርደ ኣብ ሓደ መስመር ተር ኢለን ኣብ ዝርከባ ንኣሽቱ ባራት፣ ኣብ ሓንቲ ቦታ ሒዞም፣ ‘ኣረቒ ንጥዕና’ዩ’ እናበሉ ሓደ ክልተ መለክያ ኣውረዱ።

     ሓቕሞ’ዮም። ኣደይ፣ ናብ ሳዋ ንዝወርድ ዝነበረ ዓቢ ሓወይ ‘ኣረቒ ንዓሶ መከላኸሊ መድሃኒት’ዩ ካብ ዝብል እምነት፣ ኣብ ንእሽቶ ጠርሙዝ ክትቋጽረሉ ብዓይነይ ርእየ ኣለኹ። ንዓይ’ውን ከምኡ ኣማሊኣትኒ’ያ። መዓስን ኣበይን ክንሰትዮ ግና ምኽሪ ኣይሃበትናን። ኣብ ዓደርደ’ዩ ኔሩ ዝኸውን። እንተ ሓወይ እንድዒ፣ እንተ ኣነ ግና እቲ ‘ረቂ ኣብ ሳንጣይ ስለዝፈሰሰ፣ ጨና እምበር ዝስተሲ ኣይረኸብክሉን።

     ግርማይ ምስ ብጾቱ’ውን ፈውሲ ዓሶ ኣብ ዓደርደ ክቃርሩ ወሲኖም። መድሃኒት፣ ሓኪም ካብ ዝኣዘዞ ንላዕሊ እንተተወሲዱ ዘምጽኣ ጸገም ግና ዘንጊዖሞ። ዓደርደ ሙቖት ስለዝኾነ ንኹሉ ይጻወር’ዮ ኢሎም’ዮም ዝኾኑ። ብዝሒ ዘቃረርዎ መለክያታት እዝግሄር ዋንኡ።

     ግርማይ ምስ ብጾቱ፣ ካብ ዓይኒ’ታ የዕሪፋ እትጽበዮም ዘላ ኤነተረ ተኸወሉ። ብኡ ኣቢሎም ከኣ መመንገዶም ሓዙ። ድሕሪ ሰዓታት መኪና ክትብገስ በለት። ኣሃዱ ኩላ ተረኺባ። ግርማይ እንተበልካ፣ ዓደርደ ትመስክር። ኤነትረ ንግርማይ ኣብ ዓደርደ ኣጥፊኣ መንገዳ ቀጸለት። ኣብ ዓደርደ ተኣሲሩ ከምዘሎ ኣሃድኡ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ሰምዐት። ኣብ መንገዲ ንዝረኸባ በዓልቲ ልውየት፣ ኣረቒ እንተዘይጋበዝኹኪ ኢሉ ስለዝተዋጠጠ፣ ድሕሪኡ ክስዕብ ካብ ዝኽእል ሓደጋ ንምኽዋሉ’ዩ ናብ ፖሊስ ተዓቝቡ። ረስኒ ናይ ዝወሰዶ መድሃኒት ክሳብ ዝዝሕል ከኣ ኣብ ዓደርደ ሳልስቲ ጸኒሑ። እታ ኣብ ዓደርደ ዘጥፍኣቶ ኣሃዱ ኣብ ዓደርደ ምስ ረኸበቶ ድማ’ያ ‘ዓደርደ’ ዝብል ሳጓ ዘልገበትሉ።

     ምስ ዓደርደ ከነውግዕ ክንደይ ሰዓታት ከምዝወሰደና ኣየስተብሃልኩን። ንነገሩ’ውን ዘወንዘፍክዎ ስራሕ ኣይነበረንን። ዕላል ዓደርደ መቂሩ ኣብ ዘሎና’ዮ ጉዕሽ ቢራ እናጎርዳዕና እንተንሓደር ኣይምጸላእኩን። ኣንጊሁ መገሻ እንተዘይህልዎ’ውን መተግበርና’ዩ። መገሽኡ ናብ ዓዲ ግራት’ዩ።

     ካብ ስቶኮልም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸሉ ምኽንያት ክዛወር’ዩ ዝብል ግምት’የ ሂበዮ። ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዘይክኣለኡ ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዛወሩ’ዮም። ደሃይ ቤተሰብን ንብረትን ንምጥያቅ ዝኣትዉ’ውን ኣለዉ። ኤርትራውያን ኣብ ባራት ኣዲስ ኣበባ ዘውር ኢሎም ይምለሱ። ምዕራባውያን በጻሕቲ ሃገር፣ ቀዳሞት ጠመትኦም ኣኽሱምን ላሊበላን’የን።

     “ዓዲ ግራት ደኣ እንታይ ኣሎ? ኣኽሱም ዶ ኣይምሓሸካን’ዩ፣” እንክብሎ ዝተረፈነኒ ኣይነበረን።

     ኣብዛ ሓጻር ግዜ ካብ ዝላለዮ፣ ልግስን ግርህናን መለለይኡ’የን። ሓድሽ ስደተኛ’ዩ ካብ ምባል’ውን ደንጊጹለይ ይኸውን። ጉዕሽ ቢራን ጥብስን ኣይተሰከፍኩን።

     ካብ ቤት መግቢ ጎፋ ሆቴል ናብ ክፍልታት ኣብ ዝወስደ ኣስካላ፣ ብዙሕ እናስተንፈሰ፣

     “ኣንታ ወደይ ኣሎ ቀደም ዝወለድክዎ፣ ዓዲ ግራት ኣሎ ኢሎሙኒ ክደልዮ እየ ዝኸይድ ዘለኹ፣” ዱበላ ደርጉሓለይ።

     ጉዕሽ ቢራ ዝፈጠሮ ሙቕት እንክበንን ይስምዓኒ ኣሎ።

     “ሕጂ ደኺመ ኣለኹ ክድቅስየ፣ ይርከቦ ኢልካ ጥራይ ጸልየለይ። ምስ ተመለስና ክንሕኪ ኢና፣” ክዛረብ’ውን ዕድል ኣይሃበንን።

     “እዚ ወዲ እንታይ’ዩ ዝብል ዘሎ። መስተ ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ድራፍት ክሳብ ክንድኡ። ኖ…! ቁምነገር’ዩ ዝዛረብ ዘሎ…” ውሽጠይ እናሰላሰለ።

     “ሕራይ ደሓን። ይስለጥካ። ኣነ ኣለኹ ክቕንየ፣” ልሳነይ ኣድሃየት።

     ብኢድ ተጨባቢጥና ብመንኮብ ተጎናኒጽና ተፋነና።

+++++++++++

     ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ኣብ እትርከብ ክፍሊ ቁጽሪ 8፣ ኣብ ዓራት ተጋዲመ ቁርብ ግዜ ወሲደ። ገሊኡ ንቁምነገር ገሊኡ ንሃተውተው። እታ ናይ መወዳእታ ናይ መንኮብ ሰላምታ ኣስሓቐትኒ።

adigrat

     ቃጨሮ ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር ኣብ እግሪ ሩባ ጋሽ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ’ዩ። ዓቃብ ሰላም 25 ኪሎሜተር ንውሽጢ ኤርትራ ተቖጻጺሮምሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ፣ ናብቲ ከባቢ ሰራዊት ናይ ኤርትራ ከይኣቱ ክልኩል ነበረ። 

     ቃጨሮ ናይ ሕርሻ ቦታ ስለዝኾነ ኣብ ክረምቲ ናይ ግድን ክዝራእ ነበሮ። ሲቪል ተኸዲኖም ብዝኣተዉ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ብትራክተራት ተሓጊዞም ማሸላን ስምስምን ተዘሪኡ ጽቡቕ ጥዒምዎ በቖለ። ኣብ ምዕጻዱ ግና ብዝሒ ዘለዎ ጉልበት ሰብ ኣድልየ። ሕጂ’ውን ሲቪል ዝተኸድኑ ኣሽሓት መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብበጣሓትን ኤነትረታትን ተጓረቱ። ሓደ ሓደ ጠበናጁ፣ ኣርፒጂ፣ ብሬን ክሳብ ሞርታራት ከይተረፍ’ውን ምስ መሸማዓት ተሓቢኡ ኣትዩ’ዩ። ሲቪል ዝተኸድነ ሰራዊት ገና’ውን ይውሕዝ ነበረ።

     ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ዓቃብ ሰላም ዜጋታት ዮርዳኖስን ህንድን ነበሩ። እንሓንሳእ’ውን ናብ ናይ ጸጥታ ዞባ ብሕርሻ ኣትዩ ዘሎ ኣሽሓት መንእሰይ፣ ሰራዊት ከይከውን ንምቁጽጻር ዑደት የካይዱ’ዮም።

     ንሕርሻዊ ንጥፈታት ናይቲ ከባቢ ብዝምልከት ናይ ዜና ጸብጻብ ንምድላው ናብቲ ቦታ ኣብ ዝተንቀሳቐስናሉ፣ ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ዓቃብ ሰላምን ምፍጣጥ ጸንሓና። ድሕሪ ክንደይ ታዕታዕ ነገር ዝሒሉ። ሓደ ካብቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ንምትእንጋድና ድሉው ኮነ። ኣብ ኣጉድኡ ኣብሪኽና፣ ዝተዳለወ መግብን ሻህን ከነቋሲ’ውን ኣድለየ። ካብ ኣስመራ ናብ ቋጨሮ ብዘይ ዕረፍቲ ኢና በጺሕና’ዮ። “ኣድላዩ ስራሕ ኣሎ፣” ዘይንጹር ሓበሬታ ብሃታ ሃታ ኣበጊሱና።

     ነታ ናይ ዜና ኣሃዱ ጠርኒፉ ዝነበረ ኣባል ዜና፣ ጠንቒ እቲ ምስ ዓቃብ ሰላም ዝወዓለ ታዕታዕ እንታይ ምዃኑ ሓተተ። እቲ መልሲ ዘስሕቕ ነበረ። ዓቃብ ሰላም፣ ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታ ዝተዋፈሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ብመንኮብ ክሰዓዓሙ ስለዝርኣዩ’ዩ። ብመንኮብ ምስዕዓም ወትሃደራዊ ሰላምታ ናይ ሰራዊት ኤርትራ ስለዝመሰሎም’ዩ እዚ ኩሉ ታዕታዕ።። ሓደ ካብቲ ከለልውዎ ዘለዎም ወትሃደራዊ ምልክታት ናይ መንኮብ ሰላምታ’ዩ ዝብል ሓበሬታ’ውን ረኺቦም ይኾኑ። መገመቲ ደኣ ስሒቶም’ምበር ግምቶም ሲ ቅኑዕ’ዩ ዝነበረ

     ኣብ ዓራተይ ተጋዲሚ እንደገና ፍሽኽ በልኩ። ቅድሚ ናጽነት ብመንኮብ ምስዕዓም ኔሩ ዶ? ድቃስ እናጠለመኒ’ዩ። ዘይትውዳእ ኣርእስቲ። ብመንኮብ ምስዕዓም ከመይ ተበጊሱ? ናይ ገለ ሃገራት ዓረብ ምስዕዓብ ኣብ ኣፍንጫ’ውን ኣሎ። ካብዚ ሲ እዝግሄር ኣድሒኑና። ንሰብ ኣፊጭኡ ካብ ክትስዕሞ ብመንኩብ ክትጉንጾ’ዩ ዝሓይሽ። ተጋደልቲ ነዛ ናይ መንኮብ ቅዲ ሰላምታ ብሰንኪ ብትንፋስ ዝመሓላለፍ ሕማም’ዮም ኣተኣታትዮማ’ዩ ዝብሃል። ብሰንኪ’ቲ ሕማም ኣብ ክንዲ ገጽ ንገጽ፣ ምዕጉርቲ ንምዕጉርቲ ገጽካ ተጠዋዊኻ ብመናኹብካ ዲጽ ትብሃል። እንታይ ኔሩ’ኸውን እቲ ሕማም?

++++++++++++

     ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ዓርቢ ምቕማጣ ዝነበረት ሸዊት ዝተባህለ ኢትዮጵያዊት መንእሰይ ኣብ ጎፋ ሆቴል ኣብ ናይ ጽሬት ስራሕ ተዋፊራ’የ ረኺበያ። ረፋድ፣ ንዘለኽዎ ክፍሊ ክትኩሕኩሕ ዘሰክፋ ኣይኮነን።

war1

     “ድቃስ ይኣኽለካ። ድቃስ ድኽነት”ዩ ዝጽውዕ፣ ንሕና ኸኣ ስራሕ ቀልጢፍና ንውድእ፣” ናይ ወትሩ ፍሽኽታ እናለገሰት’ያ።

     “ሸዊታ ሓቕኺ ኢኺ። ኣብ ኣኽርያን ዕዳጋ ዓርብን ክሳብ ረፋድ ደቂሱ ዝዓበየ የለን’ሞ፣ ግና ሃብታም ሲ ዘይብልና፣” እናላገጽኩ’የ።

     ሸዊት፣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ጎፋ ሆቴል’የ ተላልየያ። ብዙሓት ዓማዊል እቲ ሆቴል፣ ኤርትራውያን ምዃኖምን ውዕልኦም ኣብቲ ሆቴልን ጫፍ ጫፉ ተናኺፋትለ’ያ። ናተይ’ውን ንገሊኦም ትተናኽፈሎም ትኸውን’ያ።

     “ኣሰፋ ይጽበየካ ኣሎ፣” ናይ ጽርየት ኣቑሑታ ናብ መደቀሲ ክፍለይ እናእተወት’ያ።

     ሓቢርና ክንቆርስ ደልዩ’ዩ ዝኸውን ስለዝሓሰብኩ፣ ግዜ ኣየባኸንኩን። ዘጊፉ ዝነበረ ጸጉረይ’ውን ካብ ዝቖርጾ ሳልስቲ ጥራይ ስለዝገበረ ምስትክኻል ኣየድለየንን።

     ኣሰፋ ወትሩ ንጥፉ’ዩ። ዕላሉ’ውን ከምይ ግርማይ ዓደርደ ደኣ ኣይኹን’ምበር ዘስሕቕን እዚ ወዲ ደሓን ድዩ ዘብልን ኣይሰኣኖን’ዩ። ኣብ ዘጠና ሰባት (2005 ምዃኑ’ዩ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ናይ ኤርትራ ቴሌቪዥን ብዙሕ ስእልታት ናይ ኣዲስ ኣበባ ተምጽእ ምንባራ ከምዋዛ ፈይ ኣበለለይ።

     “ኤርምያስ ተጠንቐቐሉ ኢኻ ዝበለኒ ነዚን ወዲ ከምዚን ዶ ኮን ይኸውን?” ዓይኒ ዓይኑ እናጠመትኩ’የ።

     መንግስቲ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መርበብ ከይፈጥሩ፣ ርክባት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከይገብሩ፣ ስለያውን ወትሃደራውያን ሓበሬታ ከይለዋወጡ…ወዘተ ምክትታል ከምዝገብር ኣይስሕቶን’የ። ኣይኮነን ዶ ሓሙኩስቲ ዝስንቖም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ዝኾነ ካልእ መንግስቲ’ውን ንዋሕዚ ስደት ዝሰግኣሉ’ዩ።

     ንኤርትራውያን ብኤርትራውያን ክትከታተሎም’ዩ ዝቐልል። ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብዚ ስራሕ’ዚ ከምዝነጥፉ ይዕለል’ዩ። ናይ ገሊኦም ኣስማት’ውን ብብዙሓት ኤርትራውያን ፍሉጥ ኮይኑ ምህላዉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራ ዕላል’ዩ።

     ኣሰፋ ከም ዋዛ ፈይ ዘበላ ሕቶ ድያ ሓበሬታ ግን ሕርኽርኽ በለትኒ።

     “ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንደይ ሰብ ድዩ ካሜራ ዘለወን ሞባይል ዝውንን? ካብዚ ሰዲዶሞ ይኾኑ፣” ብዋዛ ንዝፈነዋ ሓበሬታ ዝሃብክዎ ምላሽ ነበረ። ምላሽ ዘድልያ’ውን ኣይነበረን።

     ተገዲሰ ይምልሰሉ ከምዘየለኹ ብዘስተብሃለ፣ መእዝን ዕላልና ካብ ኩዌት ዝኣትዋ ክልተ ኢትዮጵውያን ዘበለ።

     ስናፍቕሽን ጽዮንን ኣብ ኩዌት ክልተ ዓመት ሰሪሐን’የን ዝምለሳ ዘለዋ። ኣጋሮ ካብ ዝተባህለ ከባቢ ጅማ’የን። ናብ ኩዌት ኣብ ዝተበገሳሉ ቅድሚ ክልተ ዓመት፣ ጉዳያተን ክሳብ ዘሳልጣ ኣብ ጎፋ ሆቴል ጸኒሐን’የን። ኣስፋ ጽቡቕ እንግዶት’ዩ ጌሩለን። ብፍላይ’ኳ ንጽዮን። ምስ ጽዮን ካብ ኩዌት ተደጋጋሚ እዋን ተደዋዊሎም’ዮም። ጽቡቕ እንግዶት ናብ ጽቡቕ ናይ ማዕዶ ፍቕሪ ተሰጋጊሩ’ዩ።

     ጽዮን ካብ ኩዌት ትመጽእ ምህላዋ፣ ንኣሰፋ ካብ ዝፈልጦ ካልኣይ ሰሙነይ እታ ዝዓበየት ዜናኡ ነበረት። ጽዮን ምስ መጸት ክዛውራ ናብ ዝኽእል ቦታ ካብ ምሕሳብ ኣየቛረጸን።

     “የጅማ ልጅ ስለሆነች ኣዲስ ኣበባ ኣታቃትም” እናሻዕ ይደጋግም።

     ብዙሕ ከምዘፍቀረ ብውንኡ ይልለ። ብዝኾነ ተሓጉሱ። ሓጎስ ብጻይካ ሓጎስካ’ዩ እሞ ተሓጎስኩ።

+++++++

     ኣዲስ ኣበባ ንዓይነይን ኣእምሮይን ሓዳስ ከተማ’ያ። ገሊኡ ብሚኒባስ ገሊኡ ብእግረይ ሸናዕ ክብሎ እኹል ግዜ’ዩ ዘለኒ። ስደተኛ ምዃን ዝዓበየ ጸግኡ ዘይውዳእ ግዜ ምህላው’ዩ። መንቀሳቐሲ ዝሓትት የለን። ኣስመራ ጎሓፋ ጥራይ ዘይኮነ ሰባ’ውን ጸርዩ’ዩ። ክልቲኡ ኣበይ ከምዝኣተወ እንድዕሉ። ምናልባት ኣዲስ ኣበባ’ዩ ዝህሉ።እንተሎሚ ሰብ ምስጸረየሉ እቲ ጎሓፍ ናብ ጎደናታት ይውሕዝ ምህላዉ ሰሚዐ ኣለኹ። ኣዲስ ኣበባ ግና ብክልቲኡ መሊኣ’ያ። ዕምርቲ ከተማ።

war2

     ብወረን ዛንታን ዝሰምዖም ንዝነበርኩ ከባቢታት ኣራት ኪሎ፣ ስድስት ኪሎ፣ ኣንበሳ ግቢ፣ ካሳንቺዝ፣ ኣውራ ድማ ፒያሳ ሸንኮለል ምባለይ ኣየድከመንን። ብሰሪ ተግባራቱ ቸቺንያ ዝብል ስም ዝተዋህቦ መንክር ዝኾነ ቦታ’ውን ኣሎ። ማርካቶን ሓያሎ ካልኦትን ገና ካብ ዝኽረይ ኣይሃሰሰን። ኣዲስ ኣበባ ህይወት ኣለዋ። ሞት’ውን ኣለዋ። መጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነ መጻሕፍቲ ክድረሰላ ዝኽእል ከተማ’ያ። ጥላሁን ገሰሰ፣ ‘ፈልጌ ኣስገልጌ….’ እናደረፈ ኣዲስ ኣበባ ላዕልን ታሕትን ክብል ተራእዩኒ። ኣነ ግና ዝፍለግ የብለይን። ኮይና ተሪፋ ናብ ኣስፋ ምምላሰይ’ያ።

     ኣሰፋ ካብ ቦሌ መዓርፎ ነፈርቲ ኣጋይሹ ኣተኣናጊዱ’ዩ ጸኒሑኒ። ኣብ ጎፋ ሆቴል ዘይኮነ፣ ኩርናዕ ተዓጺፍካ ኣብ ዝርከብ ንእስ ዝበለ ሆቴል። እንተዘይተጋግየ ሚልዮንዮም ሆቴል። ድሕሪ ጽምብል ሚለንዮም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝኾነ ዝወጽእ ትካል ሚልዮንዮምምባል ተለሚዱ’ዩ ዝነበረ። ሚልዮንዮም ሆቴል፣ ሚለንዮም ቤት መግቢ፣ ሚለንዮም ቡና ቤት፣ ሚለንዮም ጠጅ ቤት፣ ሚለንዮም ዳቦ ቤት….ኮታ ኣዲስ ኣበባ ብሚለንዮም መርኣዪ ኣይነበራን። ሚለንዮም ሆቴል ምምራጹ፣ ናብ ጎፋ ዝመጹ ኣጋይሽ ስለዘለዉ’ዩ ኣመኻንዩ። ንዓማዊል ምትዕምማል ተሰኪፉ’ዩ ዝኸውን። ንነገሩ እቲ ዘገድስ፣ ኣበይ ትዓርፍ ዘይኮነ ከመይ ተዕርፍ’ዩ? ጽዮን ምስ መሓዝኣ ጽቡቕ ኣዕሪፈን። ኣሰፋ’ውን ግርም ኣዕሪፉ። ምስ ምምጻእ ኣጋይሽ ክርሳዕ ዝሓሰብክዎ ዘይተሓስበ ምርቃ’ዩ ኮይኑኒ ጽቡቕ ኣዕሪፈ። ኣዲስ ኣበባ ለይትን ቀትርን ግርም ተዓዚብና’ያ። ንሳ’ውን ተዓዚባትና’ያ። ግርም ተዓዛዚብና።

     ጽዮን ምስ መሓዝኣ ስናፍቕሽ ናይ ኣዲስ ኣበባ ጽንሖተን ዛዚመን ናብታ ዝዓበያሉ ከተማ ኣጋሮ ነቒለን ኣለዋ። ኣዲስ ኣበባ ጋሻ ብምቕባልን ምፍናውን ዝተፈልጠት ከተማ’ያ። ኣይከም ኣስመራን። እንሆ ሕጂ’ውን ጋሻ ኣፋኒና ጋሻ ንምእትንጋድ ቀዳም ምሸት ኣብ ጎፋ ሆቴል ተዳሊና።

++++++++++

     ግርማይ ዓደርድ ካብ ዓዲ ግራት ቴሌፎን ደዊሉ፣ ወዱ ከምዝረኸበ ኣቢሲሩ’ዩ። ዋና ጎፋ ሆቴል ትግራዋይ’ዩ። ጎፋ ሆቴል፣ ትግራዎት ብብዝሒ ዘዘውትሩዋ’ያ። ሰራሕተኛታታት ብዘይካ ኣሰፋ ብምሉኦም ትግራዎት’ዮም። ኣባላት የህዝብ ደህንነትን ብሔራዊ መረጃን’ውን መማሰይቶም’ያ። ብፍላይ እቶም ብደረጃ ሓላፍነት ድቕቕ ዝበሉ። እቶም ፍርይ ዝበሉ ኣብ ከም በዓል ኣኽሱምን ሸበሌን ኣቶም ኣዝዮም ዝፈረዩ ድማ ኣብ ጎልፍን ካልኦት ዓበይቲ ሆቴላትን ከምዘማስዩ ሰሚዐ ኣለኹ።

melesisu

     ጎፋ ሆቴል፣ 2005 ድሕሪ ምርጫ ኣብ ዝተኻየደ ዕግርግር ፈተነ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተኻይዱላ’ዩ። ለይትን ቀትርን ብረት ብዝዓጠቑ ዕድመ ዝደፍኡ ሚሊሻ’ያ ትሕሎ። ሓደ ካብቶም ሚሊሻታት፣ ናይ ደርግ ወትሃደር ምንባሩን ኣብ ከባቢ ከረን ካብ ሓንቲ ኤርትራዊት ዝወለዶ ቆልዓ ከምዝወለዎን ድሕሪ’ዚ ናይ ግርማይ ዓደርደ ዕላል ኣውጊዑና’ዩ። ግርማይ ወዱ ክደሊ ካብ ስቶኮልምናብ ዓዲ ግራት ምምጽኡ ነዚ ናይ ደርግ ወትሃደር ነበረ ካብ ዘገረሞ ፋጽሜ ነበረ። ምናልባት ናብ ከባቢ ከረን ክወርድ ዶ? ዝብል ስምዒት ኣሕዲርሉ’ውን ይኸውን።

     ግርማይ ዓደርደ፣ ወዱ ክደሊ ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምምጽኡ፣ ይፈልጡ’ዮም ንዝበሎም ሰባት ኣጣይቑ ኣይሰለጦን። ቀይሕ መስቀል ዝሃቦ ሓበሬታ ሓጋዚ ኔሩ። ብኡ መሰረት ድማ ሰባት ኣዋፊሩ፣ ወዱ ኣብ ዓዲ ግራት ከምዘሎ ኣንፊ ረኺቡ። ሓደ ካብቶም ወዱ ንምድላይ ዝተሓባበሮ ዋና ጎፋ ሆቴል ነበረ። ስለዚ’ዩ ግርማይ ኣብ ጎፋ ሆቴል ክፍሊ ዝሓዘ። እንሆ’ምበርኣ ካብ ስቶኮልም ናብ ዓዲ ግራት ተጓዓዙ ህጻን ናይ ኣዋርሕ እንከሎ ንዝተፈልዮ ወዱ ድሕሪ 8 ዓመታት ከምዝረኸቦ ኣበሲሩ። ሒደት ሰባት ዝተሳተፍናዮ ድግስ ድማ ተዳልዩ።

     ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዉ ግርማይ ናብ ሕክምና’ዩ ተጓይዩ። ብዙሕ ጓሂ’ውን ኣብ ገጹ ይንበብ።

     “እዚ ቆልዓ ተበዲሉ’ዩ፣” ብዙሕ ሻዕ’ዩ ዝደጋግም።

     ወዱ ኣብ ከቢድ ድኽነትን ጉስነት’ዩ ጸኒሕዎ። እዝኑ ሰሉዅ ዝኣተወ ቁርዲድ ኣንቲዖም ከውጽኡ’ውን ከበሮ እዝኑ ነኺኦሞ’ዮም ደቂ ዓዲ ግራት። “ተበዲሉ” ንዝበሎ ቆልዓ ብሕክምናን ሞራልን ክኽሕስ ድማ’ዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምጺእዎ። ኣቦ ክገብረሉ ዝኽእል’ዩ ጌሩ። ምስ ኤምባሲ ሽወደን ኣተሓሒዙ፣ ጉዳዩ ከሳልጠሉ’ውን መስርሕ ጀሚሩ። ኣብ ሓጺር መዓልታት ኩሉ ክሰልጦ እሞ ንወዱ ክኽሕስ ተሃንጠየ ዓደርደ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ዝውዳእ መስርሕ ስለዘየለ ግና፣ ነቲ መስርሕ ዝከታተልን ዘሳልጥን ሰብ ኣተሓሒዙ ድሕሪ 10 መዓልቲ ናብ ዓዲ ግራት ኣፋነዎ።

     ዓቢ ሩፍታ ኔሩ። ግን ከኣ ምስ ብዙሕ ዝን። ናብ ስቶኮልም ዝምለሰሉ ግዜ ኣኺሉ በረበረ ሽሮ ዝኣመሰለ ቀንጠመንጢ ኸሻምቶ ናብ ማርኮቶ ወረድና። ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ምስ ሓዘ ከኣ፣ ኣብ ልደታ ኣብ ዝርከብ ታሪክ ስጋ ቤት፣ ‘የሸክላ ጥብስ’ ምስ መውረዲኡ ኣማእከልና’ዩ። ሎሚ ታሪክ ስጋ ቤትን ከባቢኡ ልደታን የለን። ፈሪሱ ብኮንደሚንዮም ተተኪኡ ኣሎ።

     ዕላልና ኣብ ታሪክ ስጋ ቤት እናቐጸለ ቴሌፎን ስለዝተደወሎ ነቲ ቆልዓ ድሕሪ ክንደይ ኮለል ከምዝረኸቦ ሓቢሩ ቴሌፎን ዓጸዋ።

     “በዓልቲ ቤተይ’ያ ካብ ስቶኮልም፣” ስጋ እናኾለሰ ብጎርዳዕ ድምጺ።

     “ኣዲኡ ማለት ድያ፣” ብውሽጠይ ጋን ኮይኑኒ ከምዘሎ ክሓብእ እናደለኹ።

     ዓደርደ ናይ ውትህድርና፣ ፍቕርን ስደትን ነዊሕ ዛንታ ከምዘለዎ፣ ካብ ታሪክ ስጋ ቤት ወጺእና ኣብ ዝቐጸልና’ዮ ዕላል ክርዳእ ክኢለ።

++++++++++

     ብባጽዕን ፎሮን ኣቢልካ ናብ ጅዛን ስዑዲ ዓረብ ዝስገረሉ ዝነበረ ግዜ’ዩ። እዋን ብጥዕሙ። ሓያሎ ደቂንስትዮ ካብ ትግራይ በዚ መንገዲ’ዚ ናብ ጂዛን ንምስጋር ናብ ኤርትራ ይመጻ ነበራ።። ኣብ ዓዲ ቀይሕን ኣስመራን ዘሳልጡ ሰባት ነበሩ። ከም ናይ ሎሚ እዋን ደላሎን ኣሰጋገርትን ማለት’ዩ። ግርማይ ንሓንቲ ካብዘን ደቂንስትዮ ኣብ ኣስመራ ይላለ። እቲ ሌላ ቀልጢፉ ናብ ምፍላጥ ተሰጋገረ። ከም ወዮ ኣዳም ንሄዋን ዝፈለጣ ማለት’ዩ። እዛ ምፍላጥ እዚ’እ ድማ’ያ ንዓደርደ ካብ ስቶኮልም ናብ ዓዲግራት ኣምጺኣቶ ዘላ።

Borderether

     ናብ ጂዛን ዝሓሰብት ጓል ዓዲግራት ኣብ ኣስመራ ጥንሲ ሒዛ። ግርማይ ኣይኮነን ዶ ኣካሉ ንዝጸረት ጓል ሄዋን ንኻልእ’ውን ርህሩህ ሳምራዊ’ዩ’ሞ፣ ክሳብ ትሓርስ ኣለይ መለይ ክብላ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ግዝያዊ መንበሪ ቤት ተኻርዩ።

     ከመ ቕጽበት ኵናት ባድመ ተኣጉደ። “ክልተ በራሓት ብመዘርገፍ ይበኣሱ ኣለዉ፣” ዓለም ሓጨጨት። መንእሰይ ናብ ክተት ወረደ። ዓደርደ’ውን ከም መዛንኡ።

     ኣካሉ ዝጸረት መንእሰይ፣ ኣብ ኣስመራ ትፈልጦ ሰብ ዘይምህላዋ ካብ ምሽቓል ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብ መንጎ መጺኡ’ውን ኩነታታ ተኸታቲሉ። ግሩም ዝኾነ ህጻን፣ ህያብ ኣዳልያትሉ’ውን ጸኒሓ። መነባብሮ ኸኣ ከም ሰባ። ተረጋጊኡ ናብ ኣሃድኡ ተመልሰ። ዕግርግር ክልተ በራሓት ህዝቢ ሓሚሱ። ኣብ ግንባራት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ከተማታት’ውን ምንቛት ዘሪኡ።

     ውላድ ዓደርደ ዝሓዘለት ኢትዮጵያዊት መንእሰይ’ውን ካብዚ ምንቛት’ዚ ንምህዳም፣ ብመንገዲ ቀይሕ መስቀል ናብ ትግራይ ተመልሰት። ስድራቤታ ድኻታት ምስ ምዃኖም ካብ ጀዛን ጨንርቕን ወርቅን ተጸብዮም ይኾኑ። ንሳ ግና ካብ ኤርትራ ካብ ወርቕን ጨርቕን ዝበልጽ ህወይት ሒዛ’ያ ተመሊሳ።

     ብሰንኩ ኣብ ዓዲ ግራት ግዳይ ብዙሕ ተነጽሎ ምዃና’ውን ዓደርደ ኣብ ናይ ዓዲግራት ዑደቱ ብእዝኑ ዝሰምዖ ሓቒ’ዩ።

     ኵናት ክልተ በረሓት፣ ይትረፍ ብዛዕባ ውላድካን ዝወለድካላ ጓልን ክትሓትት፣ ብዛዕባ ነብስኻ’ውን ዘሕስብ ኣይነበረን። ዓደርደ’ውን ካብ ኣሃዱ ናብ ኣሃዱ እናተሰጋገረ፣ መወዳእትኡስ ብስግረ ዶብ ካብ ሱዳን፣ ሰሃራን ባሕርን ሰናጢቑ ሽወደን ተራእዩ።

     ኣብ ሽወደን ሓዳሩ ዝገበረ እኳ እንተኾነ፣ ደሃይ እታ ኣብ ጠልጠል ዝሓደጋ ስድራ ግን ኣይረስዐን። እንሆ ድማ ካብ ስቶኮልም ናብ ዓዲ ግራት ኣምሪሑ።

     ኣብ ዓዲ ግራት ዝተቐበልኦ ዝሸምገላ ኣደ፣ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ንዝመጸ ቆልዓ ዓባዩ’የን። “ኣቡኡ ኣነ” ክብል ካብ ጫፍ ኤውሮጳ ስለዝመጸ ጥራይ ብእምነት’የን ሂበንኦ። ሓደው ናይ ዲኤንኤን መርመራ ሓደው ዘዳቐስኹም መሰኻክር ኣምጽእ ዘይብሉ።

     “እዚ ቆልዓ ተበዲሉ’ዩ ዓብዩ። ኣቦ ተበዲሉ ዝዓበየ ቆልዓ’የ ካብ በልካ እንሃለካ ወሰዶ። ደጊም ኣነው’ን ሸምጊለ’የ፣ ክኣልዮ ዓቕሚ የብለይን፣” ናይ እምነት ቃል እተን ኣደ ነበረ።

     ግርማይ’ውን ‘ተበዲሉ’ዩ ዓብዩ’ እትብል ሓረግ ካብዘን ኣደ’ዩ ወሪሱዋ ዝኸውን።

     ብዛዕባ’ታ ክረኽባ’ሞ ዝሓለፈ ታሪኽ ከተውግዖ ዝተጸበየ ኣደ ወዱ፣ ዝሰዓበ ሕቶ ነበረ። ገልታዕታዕ ህይወት ተመንዩዋ ከተዕርፍ ከምዝመረጸት፣ ናብ መቓብር ዓዲ ግራት እናመልከታ ነጊረንኦ።

     “ካብ ሻዕብያ ድቓላ ሒዛ መጺኣ፣” እናበሉ ዓበይትን ንኣሽቱን ኣሕዋታ ዕረፍቲ ኣይሃቡዋን። ካብ ኣፍ እተን ኣደ እንተዘይወስዶ ግርማይ ኣይምኣመነን።

     “ሻዕብያ ዶ ወያነ ባ…? ክብሉ ንሰብ ከም ሰብ ምንባር ከሊኦሞ፣” ልሳኑ እናተኾላለፈ ዘውጽኣ ዛዛሚት ሓሳብ ነበረት።

     እንሆ ንኹሉ ክድብስን ክኽሕስን ግርማይ ካብ ስቶኮልም ናብ ዓዲግራት መጺኡ ኣሎ። ግርማይ ሻዕባያ ኣይኮነን። እቲ ቆልዓን ኣዲኡን’ውን ወያነ ኣይኮኑን። ሰብ ደቂ ሰብ’ዮም። ዜጋታት ክልተ ሃገር እሞ ኸኣ ጎረባብቲ ክዋሰቡ ነውሪ ኣይኮነን። ህዝቢታት ኩላ ዓለም’ውን መምስ ዝመረጽዎ ድላዮም ክገብሩ ፍቓዶም’ዮም። ፍቓድ ፈጣሪኦም ድማ። ግርማይን ኣደ ‘ቲ ቆልዓን’ውን ድላዮም’ዮም ዝገበሩ። ድላይ ፈጣሪኦም ድማ። ንሶም ኮነ እቲ ቆልዓ ዝበደሉዎ የለን። ዝበደሉ በራሓት ክነሶም ብመዘርገፍ ዝተናቖቱ ደድሕሪኦም ዝዓበደን’ዩ።

     ግርማይ ዓደርደ ናብ ሽወደን ድሕሪ ምምላሱ፣ ሒደት ግዜ መልእኽቲ ተለዋዊጥናን ኢና። ክኽሕሶ ምዃኑ መብጽዓ ዝኣተወሉ ቆልዓ 8 ዓመት፣ ወዲ 14 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ከይተማህረ ኣብ ጉስነት ናይ ዝሓለፎ ዕድላት ኣብ ሽወደን ዕጽፊ ክኾነሉ በዓል ምሉእ ተስፋ’ዩ ዓደርደ። ፈጣሪ ዕድመ ይሃቦም።

     ዓደርደር ነዚ ብዘይፍቓዱ ዝዘርጋሕዎ ዛንታ እንተሰምዐ ወይ’ውን እንተንበበ ይቕሬታ ክገብረለይ ምዃኑ’የ ዝኣምን። እንተተቖጥዓኒ’ውን ክትወሓሱኒ ምዃንኩም ቃል ኣቲኹምለይ ኢኹም። ካብኡ ዝሓለፈ መልሲ ክልእከለይ’ሞ ተወሳኺ ብስራት ከስምዓና’የ ዝምነት። ንምጽሓፉ ኣይክሓምቕን’የ። ድሮ’ውን ኣርእስቲ ኣዳልየ ኣለኹ፣-

     ‘ካብ ዓዲ ግራት ናብ ስቶኮልም’

 

ዕባይ ኣኽርያ
13 ሓምለ 2015
ፓሪስ

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0