ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም እስራኤላውያን ንሓደ ኤርትራዊ ብሓዊ ኣቃጺሎም

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም እስራኤላውያን ንሓደ ኤርትራዊ ብሓዊ ኣቃጺሎም

Radio Erena: 13 July 2015

Ted

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም እስራኤላውያን፣ ንሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ብሓዊ ኣቃጺሎም።

እቲ 39 ዓመት ዝዕድሚኡ ቴድሮስ ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ሓደ ናይ መዘናግዒ ቦታ ተባራዒ ኣልኮል ኣብ ነብሲ ብምንስናስ፣ ብመወልዒ ሽጋራ ከምዘቃጸልዎ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

መላእ ሰብነቱ ብሓዊ እናተቓጸለ ኣብ ጎደና ዝረኸብዎ ኤርትራውያን ንህጹጽ ሕክምናን ፖሊስን ድሕሪ ምሕባሮም ካብ ሞት ክድሕን ከምዝኸኣለ’ውን ገሊጹ።

እቲ መንእሰይ ምሉእ ገጹ፣ ደረፍት ኣፍልቡን ክሳብ ከባቢ ሕምብርቱ ከምኡ’ውን የማናይ ኢዱ ጉድኣት ወሪድዎ እኳ እንተሎ፣ ህጹጽ ሕክምና ተጌርሉ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሆስፒታል ከምዝወጸ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ወኪል ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎ እስራኤላዊ፣ ንሓደ ኤርትራዊ ኢዱ ከምዝቖረጾ ምግላጽና ኣይርሳዕን።

ተቖሪጻ ኣባ ባይታ ዝወደቀት ኢድ እቲ መንእሰይ ብሓገዝ ሓካይም ብመጥባሕቲ ድሕሪ ምልጋባ ኣብ ምንቕስቓስን ካልእ ንጥፈታት ኣብ ምክያድን ምምሕያሽ ከተርኢ ትጽቢት ኣሎ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0