ኣብ የመን ብዝተኻየደ ደብዳብ፣ ቁጽሮም ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተቐቲሎም

ኣብ የመን ብዝተኻየደ ደብዳብ፣ ቁጽሮም ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተቐቲሎም

Radio Erena : 22 May 2015

5ethi

ስዑዲ ዓረብ ትማሊ ኣብ የመን ኣብ ዘካየደቶ ደብዳብ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ስደተኛታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ሶማልን ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ ምንጭታት ዜና ዓረብ ገሊጸን።

እቲ ትማሊ ናብ ስዑዲ ዓረብ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ዞባ ሓጃ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝረኽብሉ ህንጻ’ውን ምሉእ ብምሉእ ከምዘዕነወ ተሓቢሩ።

ግዳያት ደብዳብ ነፈርቲ ኮይኖም ዘለው ስደተኛታት’ውን ኣብቲ ህንጻ ግዝያዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝተዓቝቡ ምንባሮም’ዩ ተሓቢሩ።

‘ብምሉኦም ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ’ዮም’ ዝበላ ካልኦት ማዕከናት ዜና’ውን ዝተቐትሉ ሓሙሽተ ብከቢድን ፎኵስን ዝቖሰሉ ከኣ 10 ምዃኖም ጠቒሰን።

 

እንተኾነ፣ እቶም ኣብቲ ህንጻ ተዓቝቦም ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ብምዃኖም መንነት ግዳያት ብንጹር ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ የመን ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ደብዳብ’ውን ኣስታት 45 ስደተኛታት ሶማል ግዳያት ከምዝኾኑ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተቐርቒሮም ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዛጊት ን2524 ናብ ዓዶም ከምዝመለሰ ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ምግላጽና ይዝከር።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0