ፈረንሳ፣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ኣብ ካሌ ንዝተኣኻኸቡ 120 ኤርትራውያን ኣብ ሒደት መዓልታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ሂባ

ፈረንሳ፣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ኣብ ካሌ ንዝተኣኻኸቡ 120 ኤርትራውያን ኣብ ሒደት መዓልታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ሂባ

Radio Erena : 22 May 2015

Case

ፈረንሳ፣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ኣብ ካሌ ካብ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ን120 ኤርትራውያን ኣብ ሒደት መዓልታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ሂባ።

ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ በርናር ካሳኖቭ ዝተመርሐ ወኪል መንግስቲ ፈረንሳን ሰራሕተኛታት እቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ቤት ጽሕፈትን ፣ ናብ ካሌ ሃንደበታዊ ዑደት ብምክያድ፣ ነቶም ኤርትራውያን ካብቶም ካልኦት ስደተኛታት እናፈለዩ ብዘይነዊሕ ናይ ምጽራይ መስርሕ ናይ 10 ዓመት መንበሪ ፍቓድ ከምዝሃብዎም ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

 

ክፍሊ ስደተኛታት ፈረንሳ ብዝኽተሎ መስርሕ፣ ስደተኛታት ናይ ዑቕባ ሕቶ ድሕሪ ምቕራቦም ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ጉዳዮም ብምጽራ’ዩ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝህብ።

ኣብዚ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ክሳብ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ካሌ ዝተኻየደ ንኤርትራውያን ብፍሉይ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምዕዳል መስርሕ ግና፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ንዝሓበሩ፣ ብፍላይ ደቂንስትዮ፣ ኣደ ቆልዑን ሰብ ሓዳርን፣ ብኡ ንብኡ’ዩ ተዋሂብዎም።

ፈረንሳ ነዚ ሃንደበታዊ ስጉምቲ ዝወሰደትሉ ምኽንያት፣ እቶም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ዝከላበቱ ዘለዉ ኤርትራውያን መንግስቲ ፈረንሳ ክቕበሎም ድሉው ከምዘሎ ንምርግጋጽ’ዩ።

ኤርትራውያን ኢትዮጵያያውን ሱዳናውያን ሶማላውያን ኣፍጋኒስታናውያን፣ ሶርያያውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ዝርከብዎም ልዕሊ 2 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ እቶም ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ካብ ዝከላበቱ፣ ኣብ ፈረንሳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ’ዩ ጎስጓስ ዘካይድ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ኢጣልያ ዘዳብብ ከባቢታት ጽኑዕ ምቁጽጻር ክገብረሉ እንከሎ፣ በቲ ካልእ ድማ ነቶም ድሮ ናብ ፈረንሳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ካብ ዝከላበቱ ኣብ ምድሪ ፈረንሳ ዑቕባ ክሓቱ’ዩ ዝደፋፍእ።

ዋሕዚ ስደተኛታት ንብምሉአን ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ዘየረዳድእ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ’ውን ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ድሒነን።

===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0