ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ሓይሊ ከቕውም’ዩ

ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ሓይሊ ከቕውም’ዩ

Radio Erena: 10 May 2015

EgyER

ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከቕውም ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተራኺቡ ንሃገሩ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝረአ ዘሎ ውሽጣዊ ጸገማት ንምፍታሕ፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ድልዱል ወተሃደራዊ ዕጥቂ ዝወነነ ሓይሊ ከምዘድልዮ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ሹክሪ ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ የመን ዘሎ ቅልውላው ሓደ ኣብነት’ዩ ድሕሪ ምባል፣ የመን ናብ ንቡር ጸጥታን ሰላምን ክትምለስ ናይ ግድን ወተሃደራዊ ምትእትታው ጎረባብቲ ሃገራት ከምዘድለየ ሓቢሩ።

 

እዚ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዘቑሞ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብብዝሒ ሰራዊት ኮነ ዕጥቂ፣ ካብ ኔቶ ብዕጽፊ ዝዛይድ ኮይኑ፣ ማእከላይ መዓስከሩ ኣብ ግብጺ ከምዝኸውን ተፈሊጡ።

ነዚ ብግብጺ ዝቐረበ ምቛም ሰራዊት ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኩወይት፣ ኢማራት ዓረብ፣ ስዑዲ ዓረብን፣ ዮርዳኖስን ብኡ ንብኡ ክቕበልኦ እንከለዋ፣ ምስ ኢራን ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለወን ዝንገረለን ዒራቕን ሶርያን ግን ተቓውሞአን ኣስሚዐን ኣለዋ።

ኣቦ ወንበር ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ድሮ ግብጺ፣ ሞሮኮ፣ ስዑዲ ዓረብን፣ ሱዳንን ሰራዊተን ክልእካ ተሰማሚዐን ምህላወን ኣፍሊጡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0