መንግስቲ ኤርትራ፣ ንወትሃደራዊ ታዕሊም ዝምልከት ተወሳኺ ምልክታ ይዝርግሕ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንወትሃደራዊ ታዕሊም ዝምልከት ተወሳኺ ምልክታ ይዝርግሕ

Radio Erena: 10 May 2015

Militria

መንግስቲ ኤርትራ ንወተሃደራዊ ታዕሊም ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ ከውጽኦ ዝጸንሐ ምልክታታት፣ ከምቲ ዝተጸበዮ ምላሽ ብዘይምርካቡ፣ ሕጂ’ውን መፈራርሂ ዝተሓወሶ ምልክታታት ኣብ ምውጻእ ከምዝርከብ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ፣ ብፍላይ ሚኒስትሪታትን ካልኦት ትካላት መንግስቲን ብናይ ታዕሊም ምልክታታት ተጎቢኦም ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።

ገለ ካብቲ ወጺኡ ዘሎ ምልክታ ‘ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ዘይተረኽበ ብሕጊ ተሓታቲ እዩ’ ዝብል ከምዝርከቦ፣ ህዝቢ ከኣ ‘ብሕጊ ዘይግዛእ መንግስቲ፣ በየናይ ሕጊ እዩ ክሓተና’ እንዳበለ መዛረቢ ኣርእስቲ ጌሩዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ዘሎ ጉዳይ፣ ናይቶም ንስደት ከምርሑ እንከለዉ ኣብ መንገዶም ብዘስካሕክሕ ኣረሜንነትን ኣብ ማእከላይ ባሕርን ህይወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታትና ብምዃኑ፣ መንግስቲ ናይ ስለያ መሓውራቱ ብምዝርጋሕ፣ ህዝቢ ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከድህብ ይገብር ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ከተማ ኣስመራ ጽዑቕ ግፋ ከካይድ ከምዝቐነየ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። እዚ ኣብ ከባቢታት ዕዳጋ ሓሙስን ማይ ጃሕጃሕን ዝተኻየደ ጽዑቕ ግፋ ቀንዲ ዕላምኡ ክፍለጥ’ኳ እንተዘይተኻእለ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ዝደለዮ እዋን ሃንደበት ግፋ ስለ ዘካይድ፣ ህዝቢ ከም ኣካል መዓልታዊ ህይወቱ ወሲዱዎ ይርከብ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0