ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኬንያ ኣብ ዶባ ክትሃንጾ ዝወሰነት መንደቕ ተቃዊምዎ

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኬንያ ኣብ ዶባ ክትሃንጾ ዝወሰነት መንደቕ ተቃዊምዎ

Radio Erena: 26 March 2015

somalikenbor

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኬንያ ኣብ ዶብ ሶማል ናይ ጸጥታ ዞባ ክቐውም ንዘሕለፈቶ ውሳነ ተቓዊምዎ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ናይ ጸጥታ ዞባ ከተቕውም ጥራይ ዘይኮነ፣ ንሓያሎ ክፋል እቲ ዘስግእ ቦታታት ብመንደቕ ክትሓጽሮ ምዃና’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ኣምባሳደር ሶማል መሓመድ ዓሊ ኑር፣ መንግስቲ ኬንያ ብጉዳይ ምቛም ናይ ጸጥታ ዞባ ይኹን ናይ መንደቕ ሓጹር ብዝምልከት ንመንግስቲ ሶማል ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይሓቦ ብምርግጋጽ፣ እዚ ናይ ኬንያ ተበግሶ ንሕውነታዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ብኣሉታ ክጸልዎ ምዃኑ ኣጠንቒቑ።

 

ኬንያ ኣብ ሉኣላዊ ክፋል መሬታ መናድቕ ክትሃንጽ መሰላ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ኣምባሳደር፣ ምስ መንግስቲ ሶማል ከይተላዘበት ከተተግብሮ እንተወሲና ግና እቲ ዶብ ዝህነጽ መንደቕ ካብ ረብሕኡ ክሳርኡ ክዓቢ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ምንቕስቓስ ኣልሸባብ ኣልሸባብ ንምግታእ ናይ ኬንያ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሶማል ድሌት’ውን ዝበለ እቲ ኣምባሳደር ኣብ መወዳእታ፣ ሓንቲ ሃገር በይና እትገብሮ ነገር ከምዘይኮነ’ውን ኣገንዚቡ።

ጸሓፊ ፓርላማ ኬንያ ጆሴፍ ንኪያሰሪ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኬንያ ነቲ ምስ ኬንያ ዘዳውቦ ከባቢት ብመንደቕ ክሓጽሮ ምውሳኑ ብምሕባር፣ ምህናጽ እቲ መንደቕ ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙን ክጅምር ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ሓያሎ ካልኦት ፖለቲከኛታት ኬንያ፣ ነቲ ብጸሓፊ ፓርላማ ኬንያ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ እኳ እንተዘይተቓወምዎ፣ ዝያዳ ኣብ ምቛም ናይ ጸጥታ ዞባ ብምትኳር ርእይቶታቶም ይህቡ ኣለዉ።

ኬንያ ነቲ ምስ ሶማል ዘዋስና ኣስታት 700 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ ንምዕጻው ብመንደቕ ክትሓጽሮ እንተጀሚራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንኽልተ ጎረባብቲ ሃገራት ብመንደቕ ናይ ምሕጻር ተበግሶ ናይ መጀመርያ ክኸውን’ዩ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0