RADIO ERENA –Monday, 01 April 2024
ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዡ ቢንግ፣ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከብ።
እቲ መልእኽቲ ፕረዚደንት ቻይና፣ ዢ ዚፒንግ ሒዙ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምሪሑ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ዛጊት ናብ ሶማል፣ ጅቡቲን ኢትዮጵያን በጺሑ ኣሎ።
ንሱ ኣብዘን ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ መራሕተንን ላዕለዎት ሰብ ስልጣን እተን ሃገራት ብምርኻብ፣ ቻይና ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ኣተኩሮ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዝምድና ንምሕያል ኣብ ዝብል ዛዕባ ተመያይጡ።
ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምስዚ ኣብዚ እዋን‘ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣትን ጸጥታ ብዝተሓሓዝ‘ውን ቻይና ጭፍራ መራኽባ ንምውፋር ንዘለዋ መደብ‘ውን ኣካል እቲ ዘተ ምዃኑ ‘ዩ ተመልኪቱ።
ናብ ቀይሕ ባሕሪ ሚሳይላትን ድሮናትን ዝውንጭፍ ዘሎ ሑቲ፣ ንመራኽብ ቻይና ከምዘየጥቅዕ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ሃገራት ምዕራብ ነቲ ጸጥታዊ ኩነታት ብምምዝማዝ፣ ጭፍራ መራኽበን ናብቲ ክሊ ማይ የዋፍራ ምስ ምህላወን፣ ቻይና‘ውን ሓይላ ንምርኣይ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከምእትወስድ‘ዩ ዝጥቐስ።
ቻይና፣ ኣብ ጂቡቲ ኣስታት 500 ብዝሒ ወትሃደራት ዘለዎ መዓስከር ከምዘለዋ‘ውን ይፍለጥ።
እታ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዕደና፣ ህንጻን ጸዓትን ገዚፍ ወፍርታት ዘለዋ ቻይና፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተራእየ ቅልጡፍ ምቅይያራት፣ ካብ 2022 ኣትሒዛ ፍሉይ ልኡኽ ከምዝመዘዘት ይዝከር።
=======================
COMMENTS