RADIO ERENA:- Thursday , 29 February 2024
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባታት ጎጃም፡ ወሎ፡ ሽዋን ጎንደርን፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ኣምሓራን ዳግም ተጓሃሂሩ ዘሎ ግጭት፡ ካብን ናብን ሓያሎ ከባቢታት እቲ ክልል መጓዓዝያ ተቋሪጹ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ግጭት ክልል ኣምሓራ ካብ ዝውላዕ ሻብዓይ ወርሑ ኣቚጺሩ ኣሎ።
እቲ ግጭት ሓንሳእ ክሃድእ ካልእ እዋን ድማ ክጎሃሃር ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስንኻል ከም ኢንተርነት፡ ኤሌክትሪሲቲን መጓዓዝያን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ኣገልግሎታት‘ውን ኣስዒቡ‘ዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝመርሖ ተበግሶ ህዝባዊ ናይ ሰላም ዘተ ከምዝተኻየደ ዝጠቐሰት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብኣንጻር እዚ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ክልል ኣምሓራ ግጭት ተጋዲዱ ምህላዉ ኣቓሊሓ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ንጸጥታ እቲ ክልል ክከታተል ዝቖመ ኮማንድ ፖስት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብን ናብ ደብረብርሃን – ሽዋ ሮቢት– ደሴን ዝካየድ ናይ ተሽከርከርቲ ምንቅስቓስ ንግዜኡ ደው ክብል ወሲኑ ኣሎ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተነብረ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ፡ ንተወሳኺ ክልተ ኣዋርሕ ተናዊሑ ምህላዉ ይፍለጥ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=================
COMMENTS