መራሕቲ ሱዳንን ሊብያን፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ዘትዮም

RADIO ERENA:- Tuesday , 27 February 2024

ኣቦ መንበር ሉአላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገሩን ተራ ሊብያን ብዝምልከት ንምዝርራብ ናብ ትሪፖሊ ኣምሪሑ።

እቲ ጀነራል፡ ብሰኑይ 25 ለካቲት ናብ ትሪፖሊ ድሕሪ ምእታዉ፡ ምስ ኣቦ መንበር ፕረዚደንታዊ ቤት ምኽሪ፡ መሓመድ ዮኑስ ኣሕመድ ኣል ማኒፊን ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዓብዱልሓሚድ መሓመድ ዓብዱራሕማን ኣል ድበይባን ተራኺቡ ተመያይጡ።

ንባዕላ ኣብ ቤንቓዚን ትሪፖሊን መንበሮም ብዝገበሩ ናብ ክልተ ሓይልታት ተመቓቒላ እትርከብ ሊብያ፡ ብዛዕባ ጎረቤታ ሱዳን ምምይያጣ፡ ወገን ናይ ምሕዛ ተበግሶታት ከይከውን ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

ኣብ ቤንቓዚ ዝመደበሩ ጀነራል ሓፍታር ዝመርሖ ሓይሊ፡ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ናይ ሱዳን ከምዝድግፍ ዩ ዝንገረሉ።

ምስ ሊብያ ብሰፊሕ ክፋል ሰሃራ እትዳወብ ሱዳን፡ ምትትታው ጎረባብቲ ሃገራት እንተተደሚርዎ፡ ዘላቶ ኩነታት ክጋደድ ምዃኑዮም ተንተንቲ ዘጠንቅቑ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0