Radio Erena: Sunday, 28 January 2024
ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣሜሪካዊት ዎርልድ ቱር ቲም Lidl – Trek፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሎሚ ሰንበት 28 ጥሪ ወጋሕታ፡ ኣብ ሃገረ ኣውስራልያ ኣብ ዝተቓንዐ፡ ውድድር ብሽክለታ ክላሲክ Cadel Evans Great Ocean፡ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ፡ ስሙ ብድሙቕ ኮሊዑ።
ናትናኤል ኣብ‘ዚ ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ዎርልድ ቲም Groupama – FDJ፡ ላውረንስ ፒቲ ብኣዝዩ ጸቢብ ፍልልይ ቀዳማይ ዕዉት ዝኾነሉ፡ 174.3 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር፡ ነዚ 250 ነጥብታት UCI ዝደለበሉ ዘኹርዕ ውጽኢት ዝሓፈሰ፡ ኣንጻር 13 ምስኡ ዝሃደሙ ተቐዳደምቲ ድሕሪ ዘካየዶ ቕልስ ሽኳ እዩ።
ወዲ 24 ዓመት ናቱ፡ ኣብ‘ዚ ዕለት ዝሓዞ ደረጃ፡ ኣብ ታሪኹ፡ ኣብ ውድድራት “ዎርልድ ቱር” ዝጨበጦ ዝበለጸ ዓወትን ተርታን እዩ። ንሱ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ቅድድም ክላሲክ Down Under ኣብ ዘካየዶ ናይ`ዚ ዓመት ቦኽሪ ውድድሩ፡ ብተመሳሳሊ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝሓዘ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ውድድር ግን፡ ብ“ዎርልድ ቱር” ደረጃ ዝዕየር ኣይኮነን።
ኣብ‘ዚ ናይ ሎሚ ቅድድም ምስ ዓባይ ጉጅለ ብ24 ካልኢታት ድሒሩ ዝኣተወ፡ ኣባል በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ ብወገኑ፡ መበል 22 ተርታ ተሰሪዑ።
ብጀካ‘ዚ ተቐዳዳማይ ቱርካዊት ኮንቲነንታል ክለብ Beykoz Belediyesi ናትናኤል ብርሃነ፡ ትማሊ ቀዳም 27 ጥሪ ኣብ ቱርኪ፡ ኣብ ውድድር ክላሲክ Grand Prix Antalya ኣብ ዘካየዶ ቅድድም፡ ካልኣይ ኮይኑ ብምእታው ትርኑዕ ዓወት ኣመዝጊቡ።
እዚ ናይ ትማሊ ውድድር፡ ንናትንኤል ናይ‘ዚ ዓወት ፈላሚ ጸወትኡ እዩ።
===============
COMMENTS